ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ዋና ኣመሓዳሪት ኣህጉራው ማሕበር ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ዋና ኣመሓዳሪት ኣህጉራው ማሕበር ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ዋና ኣመሓዳሪት ኣህጉራው ማሕበር ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት

ዋና ኣመሓዳሪት ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተይናታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኤሚ ፖፕ ዕለት 26 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምርኻባ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፥ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስደተኛታት ዘለዎም ሓያል ተጣባቕነት ንኢዳ ስደተይናታት ኣብ እዋን ህዝባዊ ምርጫታት ዓመታት ንዝተፈላለየ ጸገማት ዝቓልዑ ብምዃኖም ድማ ዝስምዐ ጓሂ ትገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ጥሪ  ምስ ዋና ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኤሚ ፖፕ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከም እተራኸቡን እቲ ርክብ እውን ኣዚዩ ዓሚቕን ሰብኣውነት ዝመልኦን ምንባሩ ትሕብር።

“ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምርኻበይ ናይ ብሓቂ ባህታ ከም ዝፈጠረለይ እኣምን፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም ስለ ዝርከቡ ዝደተይናታት ንዝገበርዎ ጎስጓስ አመስግን፡ “ኣብዚ ህሞት እዚ ኣብ ዙርያ ስደት ዝዝረብ ቃላት ኣዝዩ ኣሉታዊ ኣብ ዝኾነሉ ህሞት፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣርእስቲ ብውዕዉዕ ስምዒትን ብዛዕባ እቶም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ስደተይናታት ዝብልዎን ዘስምዕዎን መደረታትን ብግብሪ ዝፍጽምዎን ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ንኹሉ ዝዛረብን ዝነኣድን እዩ፡

ነቲ ዛንታ ዳግማይ ምቕራጽ

ከም ኣገላልጻ ፖፕ፥ ር.ሊ.ጳ. ስደት ሰብኣዊ ገጽ ከም ዘለዎን ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ህይወት ዘጠቓልልን ምዃኑ ንሰባት ብቐጻሊ ከዘኻኽሩ ይደልዩ። "ክልቴና ኣብዚ ዓመት ፍርቂ ዓለም ዝመርሕዎ መንግስታት ዝመርጸሉ ምዃኑ ነስተውዕሎ ጉዳይ እዩ፡ እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ብዙሕ ኣብ ዙርያ ምርጫ ዝግበር ክትዓትን ናይ ምረጹኒ ጎስጓሳትን ስደተይናታት ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰባት ብዝፍጠሩ ጉዳያትን ጸገማትን ተሓትቲ ጌርካ ምቕራብ እዩ።”

ይኹን እምበር፡ ስደት ኣብተን ኣአንገድቲ ሃገራት ብዙሕ እወንታዊ ጽልዋታት ከም ዘለዎን፡ ምህዞታት ከም ዘዕቢን ንልምዓት ከም ዝድርኽን ዝከሓድ ኣይኮነን . . . ቅዱስ ኣቦና ንጉዳይ ስደት ብኸመይ ናብ ዝያዳ እወንታዊ ትረኻ ብምቕያር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ሕብረተሰባት ዘለዎም ኣበርክቶ ዘንጸባርቕ ሓሳባቶም የካፍሉ . . . ስደተይናታት ናብ ማሕበረሰባት ንምውህሃድ፡ ዝያዳ ተቐባሊ ማሕበረሰባት ንምፍጣር፡ ከምኡ'ውን ገለ ካብቲ ማሕበረሰባት ዓቢ ዋሕዚ ስደተይናታት ምስ ዝረኣዩ ዘጋጥሞም ብድሆታት ንምፍታሕ ብኸመይ ብሓባር ክንሰርሕ ከም እንኽእል ምስ ቅዱስነቶም ተመያይጠ ትብል።”

ስሩዕ መንገድታት ስደት።

ዓለም ለኸ ትካል ስደተይናታት፥ ንስደተይናታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበሉን ንምሕጋዝ ውጥናት ንምትግባር ውፉይ ዝኾነ ትካል ሕቡራት ሃገራት እዩ። ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝገብርዎ ጎስጓስ ንስራሕ ዓለም ለኸ ትካል ስደተይናታት፥ ብብዙሕ መዳይ ዘማዕብሎን ተሰማዕነቱ ዘስፍሕ እውን ምዃኑ ሓቢራ፡ ስደትተይና ንምቕባልን ንምእንጋድን ዘኽል ውሑስን ስሩዕን መንገዲ ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ፡ ንግድ ሰብ ዘካይዱን ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባትን መርበባት ገበነይናታት ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ሰባት ካብ ቦታ ቦታ ናይ ምንቕስቓስ ተግባሮም ንምውጋድ ይሕግዝ፥ ነቲ ንግድ ሰብን መርበብ ገበነይናታት ንምውጋድ እውን መሰረታዊ እዩ . . . እቶም ናይ ገበነይናታት መርበባት በቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ኣቢሎም ዝረኽብዎ የወግድ ንሰባት ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ከስዕብ ዘኽእል እዩ” ትብል።

ንለውጢ ክሊማ መፍትሒ ምድላይ

ፍራንቸስኮን ፖፐን ለውጢ ከባቢ ኣየር ብመሰረት ጸብጻባት ጭብጥታት ብስነ ኣሃዝ ስደት ዘለዎ ልዕሊ ዓቐን ጽልዋ እውን ክም ዘስመሩሉን ክሕበር እንከሎ። "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ግጭት ንላዕሊ ብሰንኪ ጽልዋ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ዝተመዛበሉ ሰባት ዝበዝሑ እዮም" ክትብል ኣስተብሂላ፡ ከም ኣካል ተልእኾኡ፡ ዓለም ለኸ ትካል ስደተይናታት፥ ኣብቶም ንምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ተቓላዕቲ ዝኾኑ ማሕበረሰባት ጽንዓት ክሃንጽ ይጽዕር፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንስደት ዝዳርጉ ሕቶታት ንምቅላል ዝሕግዝ መንገድታት ይምርምር” ብምባል ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ዛዚማ።

27 January 2024, 17:17