ድለ

ኒካራጓ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጳጳስ ኣልቫረዝ ክፍታሕ ትጠልብ ኒካራጓ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጳጳስ ኣልቫረዝ ክፍታሕ ትጠልብ 

ኒካራጓ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጳጳስ ኣልቫረዝ ክፍታሕ ትጠልብ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ "ብዘይ ግቡእ መስርሕ ን26 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈርዶም ናይ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስ ኣልቫረዝ ናጻ ክልቐቑ እትወት የካይድ ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ን500 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ጳጳስ ሮላንዶ ኾሴ ኣልቫረዝ ላጎስ "ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን" ክፍትሑ ሓቲቱ። ማይ ማታጋልፓን ሓዋርያዊ መስተናብር ሃገረ ስብከት ኤስተሊን ጳጳስ ብዘይ ግቡእ ፍርዲ ን26 ዓመት ክእሰሩ ተፈሪድዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለዉን «ሰበስልጣን ኒካራጓ – ንጳጳስ ኣልቫረዝ ኣብ ተነጽሎ ሒዝዎም ከምዘሎን፡ ንኹነታት ማእሰርቶም ዝምልከት ናጻ ገምጋም ከም ዝዓገቱን ዘለዎ ስክፍታ ከም ዝገለጸን ካብዚ ሓሊፉ እውን ኩነታቶም ዘርኢ ዝወጸ ናይ ምስማዕ ርእየት ሓበሬታ ዘሰክፍ ምዃኑ ብምምልካት ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ካልኦት ጳጳሳትን "ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዝተኣስሩ" ገዳማውያንን ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብምዝካር፡ ሰበስልጣን ማናጉዋ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ገዳማውያንን ዘንብሮ "ከቢድ ገደብ" ይነቅፍ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት ሓደ ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ኒካራጓ "ናጽነቶም ዝተነፍጎም ጳጳሳትን ካህናትን" "ዓሚቕ ስክፍታ" ከም ዘሕደረሎም ገሊጾም ቅርበቶም ጸሎትምን ኣረጋጊጾም ኩሉ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

 

05 January 2024, 16:58