ድለ

NICARAGUA-CHURCH/ NICARAGUA-CHURCH/ 

ኒካራጓ ንሕጋዊ ኣፍልጦ ናይ 16 ዘይመንግስታውያን ውድባትን ንገለ ካቶሊካውያን ተቕዋማትን ሰሪዛ

መንግስቲ ኒካራጓ ንሕጋዊ መሰላት ናይ 16 ዘይመንግስታውያን ውድባት ሰሪዛ፣ ካብዚኣተን እተን ዓሰርተ ተቕዋማት ካቶሊካውያን ወይ ናይ ወንጌላውያን ብያተ-ክርስትያን ኢየን ዝነበራ፣ በቲ ዝወጸ ኣዋጅ ሕጋዊ መሰለንን ንብረተን ድማ ተሃጊሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መንግስቲ ኒካራጓ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 16 ጥሪ ብዘውጽኦ ኣዋጅ መሰረት ናይ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዘይ መንግስታውያን ውድባት ዝነበረን ሕጋዊ ፍቓድ ሰሪዙ፣ ካብዚኣተን እተን ዓሰርተ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ናይ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን ተቕዋማት ኢየን ዝነበራ ።

ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት እተላእከ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፣ ትሽዓተ ዘይመንግስታውያን ውድባት ነቲ ክመሓደራሉ ዝነበረን መምርሒታት ብዘይምኽታልን፣ ነቲ ብሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ዝካየድ ናይ ቍፅርን ንጹርነትን ንጥፈታት ብዘይምቕባለን ከም ዝተኣገዳ ተፈሊጡ ።

ዋንነትነ ናይ ተንቀሳቐስን ቀዋምን ንብረት ናይተን ዘይመንግስታውያን ውድባት ናብ መንግስቲ ክመሓላለፍ ኢዩ።

ካልኦት ሸውዓተ ውድባት ግን ምሉእ ብምሉእ ንኽፈርሳ ብፍታወን መሕትተ ኣቕሪበን ይርከባ ።

ካብ 2018 ኣትሒዙ ሕዝባዊ ናዕቢ ዓንጻር ለውጥታት ማሕበረሰብአዊ ውሕስነት ድሕሪ ምኽሳቱ፣  ልዕሊ 3,500 ዝኾና ዘይመንግስታውያን ውድባት ብመንግስቲ ማናግዋ ፈሪሰን እየን ክብል ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

 

18 January 2024, 11:40