ድለ

ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ  (AFP or licensors)

ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ

ሓያሎ ሃገራት - ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን ሓዊሱ - ንትካል ረድኤትን ህጹጽ ኣገልግሎትን ሕቡራት ሃገራት ንስደተይናታት ፍልስጤም ኣብ ቀረባ ምብራቕ (UNRWA) ንዝካይዶ ኣገልግሎት መሳለጢ ዝውዕል ምወላ፥ ድሕሪ ኣብቲ ሓማስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣስራኤል ኣብ ዝፈጸሞ መጥቓዕቲ ናይቲ ትካል ኣባላት ዝኾኑ ገለ ገለ ሰራሕተይናታት ተሓባቢሮም እዮም ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ፥ ብምቁራጸን ዘቕርቦ ኣገልግሎት ከይቋረጽ የስግኦ ምህላዉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰራሕተይናታት ናይቲ UNRWA ማለት ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ

 ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ስዒቡ፡ ብውሕዱ ትሽዓተ ሃገራት ካብ ትካል ረድኤትን ዕዮን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተኛታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ዝህብኦ ዝነበረ ምወላ ከም ዝሰረዛ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዘን ሃገርት እዚኣተን እተን ካብተን ንውጥናት ሕቡራት ሃገራት ትካል ረድኤት ዝዓበየ ምወላ ዘቕርባ ምዃነን ዝፍለጣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጀርመንን ብሪጣንያን ከም ዝኾናን ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ከም ንኡስ ኣካል ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዕለት 8 ታሕሳስ 1949 ዓ.ም. ዝቖመን ኣገልግሎቱ ብወግዒ ኣብ 1950 ዓ.ም. ከም ዝጀመረ ድማ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብጀካ እተን ሰለስተ ዓበይቲ ሃገራት ካልኦት ምወላ ደው ዘበላ ሃገራት ድማ ኣውስትራልያ፣ ኢጣልያ፣ ካናዳ፣ ፊንላንድ፣ ጃፓንን ሆላንድን ምዃነን ክሕበር እንከሎ፡ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ፥ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ (ምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓዊሱ)፡ ወሽመጥ ቓዛ፡ ዮርዳኖስ፡ ሊባኖስን ሶርያን፡ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ረድኤት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፡ ሓለዋ፡ ትሕተ ቅርጺ መዓስከራትን ምምሕያሽን፡ ደቒቕ ቁጠባዊ ወፍርን ከምኡ’ውን ህጹጽ ሓገዝ ዘሳልጥ ከም ዝኾነን፡ ዕለት 29 ጥሪ እቲ ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዘካይዶ ኣገልግሎት መሳለጢ ዝውዕል ምወላ እንተዘይ ተጀሚሩ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቓዛን ኣብ መላእ እቲ ዞባን ዘካይዶ ዕማም ክቕጽል ከም ዘይክል ብወግዒ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብሰንኪ መጥቓዕቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል

ወሃቢ ቃል ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ "እቲ ምወላ እንተዘይ ተጀሚሩ፡ እቲ ትካል "ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝህቦ ኣገልግሎት ከቋርጽ እዩ" ክብል ከም ዘፍለጠን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ፡ ነተን ደገፈን ዝሰሓባ ለገስቲ ሃገራት “እቲ ትካልን መላእ ሰራሕተይናታት ዝፍጸምዎ ተግባራ ክቋረጽ ብምግባር መላእ ፍልስጥኤማውያን ንሓደጋ ምፍራድ ቅኑዕ ኣይኮነን እንክብሉ” ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ትሽዓተ ሰራሕተይናታት ትካል ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተሳትፎ ነይርዎም ዝብል ብዝቐርብ ዘሎ ክሲ ካብ ስራሕ ከምዝተኣልዩ ጉተረሽ ከም ዘረጋገጹን ዝኾነ ኣብ ተግባራት ራዕዲ ኢድ ዝህልዎ ሰራሕተይና ሕቡራት ሃገራት ክሕተትን ብገበን ክኽሰስን ምዃኑ ብኣጽንዖት ብምዝኽኻር፡ እቲ ዝለዓለ መርማሪ መሓውር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ውሽጣዊ ክትትል ሕቡራት ሃገራት ዓሚቝ መርመራ ከካይድ ድማ ከም ከምዝተሓተተን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ እቲ ግጭት ምስተወድአ፡ ትካል ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ኣብ ቓዛ ዝኾነ ግደ ኣይክህልዎን እዩ ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

30 January 2024, 15:33