ድለ

መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ጳጳሳት ኣመሪካ ኣንጻር ዓሌትነት ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት የቕርቡ መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ጳጳሳት ኣመሪካ ኣንጻር ዓሌትነት ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት የቕርቡ 

መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ጳጳሳት ኣመሪካ ኣንጻር ዓሌትነት ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት የቕርቡ

ንዝኽሪ ፈደርላዊ መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ጳጳሳት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ካቶሊካውያን ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ማዕርነትን ፍትሕን ኣብ ምድላይ ክቕጽሉ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣመሪካ ዕለት 15 ጥሪ ፈደርላዊ መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ጳጳሳት ኣመሪካ ካቶሊካውያንን ኩሎም ኣመሪካውያንን ነቲ ዝተቐትለ መራሒ ንምንቕቓሕ ንሰብኣዊ መሰላት “ዘይሃስስ ውርሻ” ንሱ እውን ሰብኣዊ ሕውነትን ፍቕርን ዝብል ዕላማኡ ከሰጉሙ ጻውዒት የቕርቡ፣

"ዘይሃስስ ሕድሪ" ኤማርቲን ሉተር ኪንግ ጁኒየር

ዕለት 15 ጥሪ 1929 ዓ.ም. ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ዝተወልደላ መዓልቲ ዝበዓል ፈደራላዊ መዓልቲ ዝኽሪ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ንማሕበራውን ዓሌታውን ፍትሒ ዚግበር ቀጻሊ ቓልሲ ንምዝኽኻር ኣብ ዓዓመት ኣብ ሳልሰይቲ ሰኑይ ወርሒ ጥሪ ዝበዓል ከም ዝኾነን፡

​ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ንሓይሊ ምክልኻል ሊቀ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ በሮግሊዮ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ህዝቢ ነቲ መጋቤ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ዓሌታዊ፡ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ መሰረት እተመስረተ ኣድልዎ ብምቅዋም ዝገበሮ ጻውዒት ክሰምዑ ህጹጽ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

"ከምቲ መጋቤ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝመሃረና ዓሌታውነትን ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ብፍቕሪ ክርስቶስ ክንቃለሶ ኣሎና" ቢሎም፥

"ነፍሲ ወከፍና ነቲ ማርቲን  ሉተር ኪንግ ስጕምቲ ንምውሳድ ዘቕረቦ ጻውዒት ብምዝካር ፍትሕን ሰላምን ንምርካብ ክንዓዪ ንኽእል ኢና ክንዓዪ እውን ኣሎና - 'ህይወት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ቀጻልን ህጹጽን ሕቶ 'ንኻልኦት እንታይ ትገብሩሎም ኣለኹም?'

ቤተ ክርስቲያን ንዓሌታዊ ማዕርነት ዘለዋ ተወፋይነት

ምስ በሉ ሊቀ-ጳጳሳት ብሮሊዮ እቲ ቐጻሊ ዝዀነ ጕዳያት ስደተኛታት ጸረ-ሴማዊነት ከምኡውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ኣድልዎ ንማሕበረሰብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ "ንሰባት ኣብ ሓባራዊ ተፈላጥነትን ምትሕብባርን ናይ ምትእኽኻብ ዕዮ ፈጺሙ ከም ዘይተፈጸመ" ኣዘኻኺሮም፥ እወ "ክሳዕ ሕጂ 'ነቲ እተፈጸመ ዘበላሽዉ ሓይልታት ኣለዉ . . .  ነቲ ኣብ ጻዕርታት ወንጌላውነት ዘሎ ኣወንታዊ ምልክታት ንምጥቃምን ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ቀጻሊ ዝዀነ በርገሳዊ ዕብየት ንምግባርን ንቑሓት ክዀኑ" ጻውዒት ኣቕሪቦም "እዚ ነገራት እዚ ነቲ ኻብ እተፈላለየ መበቆልናን ዓሌትናን ባህልናን ዝመጽእ እወታዊ ውጽኢት ዘንጸባርቑ ሕበረሰባት ንምቕራጽ ይሕግዝ ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነዚ ዕዮ እዚ ዘለዋ ነቕ ዘይብል ቈራጽነት እንደገና ብምርግጋጽ "ምስ ኵሎም እቶም ከም ናቶም ዓይነት ኣእምሮን እምነትን ተስፋን ዘለዎም" ብምዕያይ ይዛዘም።​

መርሕ ቃል መዓልቲ መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ 2024 ዓ.ም.

መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ካብ 1986 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ፈደራላዊ በዓል ኮይኑ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካውያንን ሰባት ዘቕርብዎ ዝተፈላለዩ መደባትን ዝርርባትብ ከምኡውን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰባት ኣብ ውጥናት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ዘሕብር ከም ዝኾነን እቲ ናይ 2024 ዓ.ም. መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ መርሕ ቃል ድማ "ነቲ ሕልሚ ምንባር - ብተስፋን ትብዓትን ሓድነትን ኢዩ ዝጅምር " ዝብል ምንባሩ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

16 January 2024, 16:04