ድለ

እስራኤል ናብ ቓዛ ገጻ ትምርሽ እስራኤል ናብ ቓዛ ገጻ ትምርሽ  (AFP or licensors)

እስራኤል ናብ ቓዛ ገጻ ትምርሽ

ኣብ ቓዛ ዝተዋደደ ውግእ ይቕጽል ከምኡ እውን ኣብ ደቡባዊ ዞባ ካን ዩኒስ ዝፍጸም መጥቓዕት እናበርተዐ ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሰሉስ ዕለት 2 ጥሪ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ከባቢ ውሽመጥ ቓዛ መጥቃዕቲ ነፈርትን ብሓይልታት መሬት እተካይዶ ወራር ትቕጽል ከምዘላን፡ ኣብ ካን ዩኒስ ውግእ ከምዝወሰኸን ነበርቲ እስራኤል ብጀንትን ታንክታትን ዝተዋደደ መጥቓዕቲ ተካይዶድ ምህላዉ ይሕብሩ።

ናይ እስራኤል መራሔ መግንስቲ ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣማኻሪ ማርክ ረገቭ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ማራቶን እምበር ቅጽበታዊ ፍጻሜ ኣይኮነን" ከም ዝበሉን እስራኤል ሓድሽ ውግእ ንምድላው ንገለ ሰራዊታ ካብ ቓዛ ተርሕቖም ኣላ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ሶርያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ዕለት 2 ጥሪ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ምስ ሰራዊት እስራኤል ብዝተፈጥረ ግጭት ኣርባዕተ ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉ ክሕበር እንከሎ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ናብ መሬት እስራኤል ገጹ ንዝግበር መጥቓዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ፡ ናይ ሰራዊት ሶርያ ወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ ኣብ ሓደ ለይቲ ከምዝሃረመትን እዚ ግጭት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕትን 200 እስራኤላውያን ጅሆ ምስ ሓዘን 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ዝተባርዐ ኮይኑ ሓማስ ኣብ ዝቆጻጸራ ቓዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እስራኤል ናይ ሕነ ምፍዳይ ስርሒት ካብ እትጅምር ንደሓር ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ኣብቲ ግዝኣት ከም እተቐትሉ ይሕብር።

03 January 2024, 16:47