ድለ

2024.01.26 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት 2024.01.26 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ዋና ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱዪርክ ዕለት 26 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምርኻቡ ኣህጉራዊ ሕግታትን ሰብኣዊ መሰላትን እደ ጥበባዊ ምዕባሌታት ኣብ ግጭታት ዘለዎ ጽልዋ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውግእ ደው ምባል ከምኡውን ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርን እተመስረተት ዓለም ክትህሉ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምዅናን ኣድላዪ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የጉልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ውግእ ክሰዓብ ዘለዎ ሕግታትን ክትግበሩ ዝግብኦም ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣለዉ። እዚ ድማ ዓመጽ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ክኽበር ዘለዎ ይጽንሓለይ ዘይበሃል ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ። “እቲ ዘሕዝን ግን እዞም ሕግታት ዝጠሓሱ ምዃኖም እዩ። ነዞም ሕግታት እዚኣቶም ዘይምኽባር ድማ ዘስዕቦ ዘሎ ሓሳርን መከራን ርኡይ እዩ” ይብል።

ሰራሕ ቅያ ምንቲ ሰላም

እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱዩርክ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥራይ ዘይኰነስ ኣህጉራዊ ሕጊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት እውን ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ፡ ነዚ ንምፍጻም ግን ዓለም መሰል ሰላም ክተስተውዕል ኣለዋ።” እዚ ድማ ኣብቲ 26 ጥሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ዝተሰመረሉ ሓሳብ ምዃኑ ይሕብር።

ቮልከር ቱዩርክ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት - "ር.ሊ.ጳጳሳት ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት እዮም" ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሰብ ሰርሖ ምስትውዓልን ክሳብ ክንደይ ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽልን ብፍላይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ናይ ጽልኢ ቃላት ብምዝርጋሕ ኣብ ደሞክራስያዊ ኪደት ኣሉታዊ ጽልዋ ኽህልዎ ከም ዝኽእል ንፈልጥ ኢና፡ ነዚ ብሓቂ ምቅዋም ኣድላዪ እዩ” ይብል።

ታሪኽን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን

እዚ ሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎ ብሓፈሻ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንዝርርብን ሓበሬታን ካብ ምትንካፍን ንላዕሊ እዩ፣ በዚ ጥራሕ ዝድረት ኣይኮነን ነቲ ቀደም ዝነበረን ሓደሽቲ ግጭታትን መሊሱ እዩ ዜጋድዶ፡ እዚ ድማ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ዅነታት ይፈጥር ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክረይንን ዘሎ ግጭት ብምጥቃስ፡ "እዚ ግጭት እዚ ናብ ኣተሓሳስባ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝተመልሰ ኩነትን ውግኣት የርእየና ኣሎ፡” ብተመሳሳሊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ እንተ ርኢና ነዚ ድማ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ እንተ ድኣ ተሓዋዊሱ ዘስዕቦ መጉዳእቲ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ . . . ብዛዕባ ርእሰ ምቁጽጻርን ምምሕዳርን ሓደገይና ኣጽዋር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ንጹር መርገጺ ኣሎና . . . ብዛዕባ እቲ ሰብን ህይወት ዘለዎን ኮታ መላእ ፍጥረት ዘዕንው ቀታሊ ኣጽዋር ብውልቀ ሃገራት ዝመሓደር ምስ ዝኸውን ምስ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር እዩ ዝኸውን፡ ስለዚ ብፍጹም ምጥቓሙ ክውገድ ኣለዎ፥  ክልኩል ድማ እዩ!” እንክብል ኣዘኻኺሩ፡ ኣብቲ ስርዓታዊ ማዕቀፍ ብቐጻሊ ነቲ ዘጽንት ኣጽዋር ምቅዋምን ምኽልካልን ኣገዳሲ ምዃኑ ምስትውዓል ክህሉ ከም ዘለዎ የመላኽት፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅዋምን ኵላዊ ውሳኔ ሰብኣዊ መሰላትን እናሓሰቡ ድማ "እዚ ንዓለም መብጽዓ እዩ ነይሩ" ሎሚ ግን ኣብ ዓለም ልዕሊ 50 ከቢድ ዓመጽ ዝረኣየሎም ግጭታት ኣሎ።

ብኽልቲኡ ወገን ሰብኣውነት ምጉዳል ይርአ ኣሎ

ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ክዛረብ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ብቐጻሊ ዝርአ ዘሕዝን ፍጻሜ እንክብል ብምግላጽ፡ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕትን ኣብ ቓዛ ገና ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ሸለል ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ “ብሰራዊት እስራኤል ንምእማኑ ዘጸግም ዝፍጸም ዘሎ ግብረ መልሲ ልዕሊ 25 ሽሕ ቅትለት ከምዘስዓበን፡ ካብዚኦም እቶም 70 ሚታዎ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን እያቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝእግድ ኩነታት እውን ይረአ ኣሎ።

ኣድላይነት ምቁራጽ ተኹሲ

እቲ ንምእማኑ ዘጸግም ዘሕዝን ብኽልቲኡ ወገናት ዝፍጸም ሰብኣውነት ዝጎደሎ ተግባር ንርእይ ኣሎና። ስለዚ ድማ “እቶም ነዚ ኲናት ዘካይዱ ዘለዉ ናብ ልቦም ክምለሱ ተስፋ እገብር።” እዚ ኲናት ንእስራኤልን ፍልስጤምን ጥራይ ኣይኮነን ዝጸሉ፡ “ድሮ ምስ ሊባኖስ ዘሎ ወጥሪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጸም ዘሎን፡ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰፊሕ ወጥሪ ብኸቢድ ዝጸልዎ ከም ዝኸውን ንጹር እዩ።” “ተኹሲ ደው ምባል ንዝድለ መፍትሒ ባይታ እዩ” ኢሉ።

“ዝተረስዑ” ግርጭታት

ኣጠማምታ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝፍጸሙ ግጭታት ዘተኮረ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ብዙሓት ካልኦት ግን ገለ ካብቲ ዝዓበየን ኣዝዩ ኣሰቃቒን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘስዓቡ እኳ እንተኾኑ፡ ኣቓልቦ ከም እተሓረሞም ድማ ገሊጾም፡ ከም ሃይቲ፡ ምስ ውግእ ጕጅለታታ፡ ወይ ሱዳን፡ ሚያንማርን ሶርያን ዝኣመሰሉ ኩነታት ይጠቅስ።

“እዞም ቦታታት ዳርጋ ኣብ ዜናታት ኣይርከቡን፡ እቲ ዘሻቕለኒ ድማ ኣብ ውሽጢ ግጭትን ዓመጽን ኣብዚ’ውን ባህርያዊ ምጉዳል ሰብኣውነት ናይቲ ካልእ ምህላዉ እዩ፡ እቲ ነዊሕ ዝጸንሕ ሳዕቤን ኲናት ድማ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ይገብሮ።”

ቱዩርክ ኣስዒቡ፥ ኩሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኩሉ ግዜ ጎዳኢ ሳዕቤን ከምዘለዎ የነጽር። “ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ጥሕሰት ክፍጸም ኣይንደልን ኢና፡ እንተኾነ ግን ካብ ካልኦት ዝኸፍኡ ክቑጸሩ ዝኽእሉ ዝተወሰኑ ጥሕሰታት ኣለዉ።”

“ንኣብነት ብዛዕባ ገበናት ግፍዒ ንዛረብ። ብዛዕባ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንዛረብ። ብዛዕባ ገበናት ኲናት ኢና ንዛረብ። ብዛዕባ ምጽናት ዓሌት ኢና ንዛረብ። ስለዚ ድማ እዩ ብፍሉይ ገበናት ግፍዒ፡ ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ዝምልከት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝቖመ።”

ቃልሲ ኣንጻር ሞት ፍርዲ

ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብቐዳምነት ብምሕሳብ ዕለት 25 ጥሪ ንዝተፈጸመ ቅትለት ኬነት ስሚዝ ጠቒሱ። እቲ ኣብ ግዝኣት ኣላባማ ሞት ዝተፈርዶ እሱር፡ ብናይትሮጅን ጋዝ ዝተቐትለ ቀዳማይ እሱር እዩ። እቲ ቅትለት ኣስታት 22 ደቓይቕ ዝወሰደ እዩ፡ ስሚዝ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሕልናኡ ከም ዝነበረ እውን ይርአ። ድሮ ዕለት 17 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ንሞት ምስ ተፈርዶ ብመርዛም ቀታሊ መርፍእ ክቕተል ድማ እቶም ነዚ ናይ ሞት ፍርዲ ዝትግብሩ ነቲ ሰራውር ደሙ ክረኽብዎ ስለዘይከኣሉ ከም ዘይሞተን ካብቲ ሓደጋ ከም ዝደሓነን ኣዘኻኺሩ፡ እዚ ዘሰንብድ “ጭካነ እዩ። ነዚ ጭካኔ እዚ ክትገልድጾ እውን ዝከኣል ኣይመስለንን፡ “ብግልጽን ብሓቅን ክንዛረብ እንተኾይና፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ናይ ሞት ፍርዲ ቦታ ክህልዎ የብሉን።” እዚ ድማ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹለን ካልኦት ነዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ገና ዘይሰረዛ ሃገራት ዝምልከት እዩ። . . . መንግስቲ ንስልጣን ንጸረ ህይወት ተግባራት ክጥቀመሉ የብሉን። ኣብዚ ክፍለ ዘመን ግቡእ ኣይኮነን። ብሓቂ ድማ ክንሰግሮ ይግባእ” ይብል።

ንድሕሪ ዝመልስ ኣገባብ

"ኣብቲ ከም ላዕለዋይ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓልይ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ዘለኒ መርገጺ፡ ዋላ'ውን ንኣሽቱ ጥሕሰታት ምስ ግዜ ናብ ዝኸበደ ጥሕሰት ከብጽሑ ከም ዝኽእል ፍሉጥን ርኡይን እዩ” ዝብል ምዃኑ ገሊጹ፡ ንኣሽቱ ግብረ ጥሕሰታት ናብቲ ዝኸበደን ዘስካሕክሕን ግብረ ጥሕሰት ዘብጽሕ መገዲ እያቶም . . . ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ሓፈሻዊ ሕዝባዊ ምርጫ ንኸካይዳ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣብ ኩለን እዘን ሃገራት ዝርከቡ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ነዚ መሰሎም እዚ ብግቡእ ክጥቀሙሉን ኣብቲ ምርጫ ክሳተፉን፡ “እቶም ንምረጹኑ ዝቐርቡ ፖለቲከይናታትን ውድባት ፖለቲካን ዘቕርብዎ መደባት ንሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ዘጠቓልል ድዩ ኣይኮነን ኣብ ግምት ከእትዉ ዓዲሞም . . . መሰልካ ንብሔራውን ዓለም ለኻውን ረብሓ ምውዓል የድሊ . . .  “ምኽንያቱ ኣብ ገለ ገለ ናይ ፖለቲካ ውድባት ጸንፈይናነት፡ ኣብ ሕቶ ስደተይናታት ዝምልከት ምንጻግ ዝብል፡ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ዝንባለ ንርኢ ኣሎና” . . . “ፖለቲካዊ ውድባት ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዘይቃዶ ኣተሓሳስባ ከስፍሓ ዝፍትና እንተኾይነን መረጽቲ ነዚ ኣብ ግምት ከእትውዎ ድማ ይዕድም። ምኽንያቱ ሰብኣውነት ዘየኽብር ኣካል ምስ እትመርጽ ናይ ገዛእ ራእስኻ ሰብኣውነት እውን ኢኻ ኣብ ሓደጋ ተውድቕ።”

መጀመርታ ዝሓሸት ዓለም

“እታ ኣረጊት ዓለም ትመውት ኣላ። እቲ ሓድሽ ድማ ንኽውለድ ይድንጉይ ኣሎ። ኣብ መንጎ እቲ ሙሟት እቲ ኣረጊት ዓለምን ዘይምቕላቕል ዝሓሸ ዓለምን ዘሎ ኩነት ድማ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት እዩ!’ እንክብል ኣንቶኒዮ ግራምሺ ዝበሎ ኣምር ጠቒሲ ቮልከር ቲዩርክ ነዚ ህልው ኩነት እዚ ድማ ዘፍርሕ ጨካን እውን እንክብል ገሊጹ፥ ዝሓሸ ዓለም ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝቐውም . . . ኣብዛ ሓድሽ ዓለም ተስፋ ኣሎኒ! እዚ ተስፋ እዚ እንተዘይህልወና ኣይምነበርናን!” እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

27 January 2024, 17:08