ድለ

ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ደብዳብ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ደብዳብ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ  (AFP or licensors)

ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ደብዳብ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ወጥሪ እናወሰኸ ብምኻዱ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ኣዚዩ ዘሰክፍ ክኸውንን ድሮ ንናይቲ ከባቢ ስንኩፍ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ንኸብል ክድርኽ ከም ዝኽል ይንገር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዝሓለፈ ዕለት 5 ጥሪ ንሰሜናዊ እስራኤል ዒላማ ብምግባር ኣስታት 40 ሮኬታት ካብ ሊባኖስ ከምዝተወንጨፋ ክሕብር እንከሎ ዝበዝሐ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝርከብ ከባቢ ሜሮን ዝቐንዐ ከም ዝነበረን ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብቲ ተወንጫፊ ዝተሳተፈ እዩ ኣብ ዝበሎ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ሊባኖስ ብምውቃዕ ግብረ መልሲ ከም ዝሃበን ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ፍልስጤም – ከምኡ’ውን ማዕከን ዜና ዋፋ – ዕለት 5 ጥሪ ኣብ ካን ዩኒስ ንዝርከብ ኣባይቲ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ብውሕዱ 13 ፍልስጤማውያን ንሞት ከም ዝዳረገን መብዛሕትኦም እቶም ዝሞቱ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክኾኑ እንከለዉ፡ ካልኦት ሓያሎ ድማ በቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከም ዝቖሰሉን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ጀት እስራኤል ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ደይር ኤል-ባላህ እውን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ይሕብሩ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኑሰይራት ኣብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ተወሳኺ መንበሪ ቦታታት ዝነብሩ ኩሎም ካብቲ ቦታ ክርሕቑ ትእዛዝ ከም ዘመሓለፈ ሓቢሩ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝካየድ ብዘሎ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ቁጽሪ ሞት ፍልስጤማውያን 22,600 በጺሑ ኣሎ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

08 January 2024, 16:23