ድለ

ዕጡቓት ጉጅለ ኣብ ኤኳዶር ንመደበር ተለቪዥን ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ጉጅለ ኣብ ኤኳዶር ንመደበር ተለቪዥን ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ 

ዕጡቓት ጉጅለ ኣብ ኤኳዶር ንመደበር ተለቪዥን ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ

ኣብ ኢኳዶር ንዝርከብ መደበር ተለቪዥን ገጾም ዝተሸፈኑ ዝተዓጥቁ ሰባት ብምታው ነቶም ናይቲ መደብር ተለቪዥን ዘራሕተይናታትና ኣብ ቀጥታዊ መደብ ፈነወ ብምታዊ ንጋዘጠይናታት ከፈራርሑ ከም እተራእየ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ኣገልግሎት ዜና ኤኳዶር ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ዕጡቓት ጉጅለ ኹኩሎም እቶም ናይቲ ቲሲ እተሰምየ ክፍሊ መደብር ተለቪዥን ሰራሕተይናታት ከብርኹ ኣገዲዶም፡ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ቀጥታዊ መደብ ፈነወ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ደቓይቕ ክዕፈን ከም ዝገበሩን፡ ካብ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝኽል ግብረ መልሲ ከይህሉ ንምግባር ድማ ገለ ናይቲ መደብር ተለቪዥን ሰራሕተይናታት ጅሆ ሒዞም ከም ዝወጹ ክንገር እንከሎ፡ ሓይሊ ጸጥታ ድሮ ዓሰርተ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎምወ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ድማ እቶም ብሓይሊ ጸጥታ ዝተማረኹ ብገበን ግብረ ሽበራ ክኽሰሱ እዮም ከም ዝበለን ናይ ኤኳዶር ርእሰ ብሔር ዳኒኤል ኖቦያ ዕለት 8 ጥሪ ናይ ስሳ መዓልታት ሃገራዊ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዘመሓላለፈ ድማ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ዜና ኤኳዶር ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብታ ሃገር ዝድለዩ ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለየ እጸ ፋርስ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ዝነበሩ ካብ ኣባይቲ ማሕቡር ከም ዘምለጡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ኖቦያ፡ እታ ሃገር ብውሽጣዊ ዕጥቃዊ ግጭት ትሳቐ ከም ዘላ ገሊጾም፡ ነዚ ኩነታት እዚ ንምቁጽጻርን ንምዕጋትን ገበነይናታት ኣብ ቀይዲ ንምእታው እውን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ኮነ ኣብ ጎደናታት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ክዋፈሩ ከም ዝገበረን ኤኳዶር ኣብ ወርሒ ሕዳር 2023 ዓ.ም. ንኽካየድ ተወሲኑ ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ምርጫ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ዝቐረበ ፈርናንዶ ቪላቪሰንሲዮ፡ ኣብ ኪቶ ናይ ምረጹኑ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ኣናካየደ እንከሎ ድሕሪ ምቅታሉ ዝተበገሰ ውጥረት እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር።

ጳጳሳት፡ 'ዓመጽ ኣይስዕርን እዩ'

ኣብ ቅድሚ እዚ ቅልውላው እዚ ኣቦ መንበር ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኤኳዶር "ዓመጽ ኣይስዕርን" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ዜጋታት ኣብ ስንባደ ከይወድቁን ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ከይቅየዱን ጸዊዖም፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣንጻር ናይ ገበን ጉጅለታት ዝግበር ቃልሲ ናይ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እውን ምዃኑ ኣጒሊሖም ዓመጽ "ካብ ዝኾነ ወገን ክመጽእ ይኽእል" ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ፍሉይ ኩነታት፡ ኤኳዶራውያን "ንመጻኢ እናማዕደዉ ንኤኳዶር ወትሩ ከምቲ ዝነበረቶ ክብርቲ ሃገር ኮያን ክትቕጽል ዝድርኽ ሓይሊ ሒዞም፡ ሰላምን ሕውነትን ክዕቅቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እቶም ጳጳሳት ብተወሳኺ . . . ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምምላስ ሓድነትን ሕውነትን ክህሉ ጻውዒት ብምቕራብ “ዝኾነ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ዝኾነ ደረጃ ሕብረተሰብን መንግስትን፡ ከም ክሕደት ዓዲ፡ ናይቲ ኣዝዩ ቅዱስ ክብርታት ናይ ኤኳዶራዊ መንነትናን ናይቲ ፈራዲ ሕይወትና ዝኾነ ኣምላኽን ክቑጸር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

12 January 2024, 14:34