ድለ

ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ጓቲማላ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብድሆታት ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ጓቲማላ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብድሆታት  (ANSA)

ንሓድሽ ርእሰ ብሔር ጓቲማላ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብድሆታት

ሓድሽ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ናይ ሃገረ ጓተማላ ርእሰ ብሔር፡ ዓበይቲ ፖለቲካውን መዋቕራውን ብድሆታት ከምኡ’ውን ሕዱር ሰፊሕ ድኽነት ንምብዳህ ዝብል ብርቱዕን ሰፊሕን ዕዮ ይጽበዮ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በርናርዶ ኣረቫሎ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ጓተማላ ኣብ ካልኣይ ዙር ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ከም እተዓወተን፡ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ናይቲ ጓተማላ ካብ 1945 – 1951 ዓ.ም. ዝመርሑ ወዲ ነበር ርእሰ ብሄር ጁዋን ጆሴ ኣረቫሎ ኣቡኡ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስተኣልየ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረላ ኡራጋይ ዝተወልደ ከም ዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ልኡከ መንግስቲ ጓቲማላ ኣብ ስፐይን ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ተልኾ ውስጠ ሰላም እውን ዝሰርሐ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ናብ ጓቲማላ ምስ ተመልሰ መስራቲ ኣባል ምንቅስቓስ ዘርኢ ከም ዝኮነን ካብ 2019 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ዝኮነን ኣብ ቀዳማይ ዙር ህዝባዊ ምርጫ፡ ንብልሽውና ንምምካት ናይ ጎስጓስ መብጽዓታት ብምእታው ድሕሪ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ዝበለጸ ድምጺ ዝሓዘ ርእሰ ብሔር ንምዃን ዘብቅዕ ድምጺ ብዘይ ምርካቡ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ህዝባዊ ምርጫ ከም እተዓወተን  ኣብ ናይ ምረቓ መደረኡ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ መናደቕ ብልሽውና ክኣልይን ጥዑይ ደሞክራስያዊ ሓድነት ንምህናጽ ከምዝ ጽዕር እውን ገሊጹ፡ ንደቀባት ጓተማላ ታሪኻዊ ዕዳ ክኽፈሉን ተበጻሕነት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ዕድላት ስራሕን ብምስፋሕ ንኽሕግዞም ቃል ኣትዩ ኣሎ። ካብ ሃገሮም ናብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ዝስደዱ ዜጋታቶም ኣብ ዓዶም ክነብሩ ዝኽእልሉ ዕድል ምፍጣር ለውጢ ከባቢ ኣየርን ቀዳምነት ዝህበሉ ፖለቲክዊ መራሓ ግብሪ ምዃኑ እውን ከም ዝሓበረን እቲ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ደገፍ ህዝባዊ ባይቶ ዘይብሉን ቤት ጽሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ንዘቕርቦ ዘሎ ተቓውሞ ሓያላት ጉጅለታት ገበን ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስን ንምግጣም ዓብይ ሕዱርን ድኽነትን ዝብሉ ብድሆታት ይጽበዮ ኣሎ።

24 January 2024, 15:46