ድለ

ምብጻሕ ብሊንከን ኣብ እስራኤል ምብጻሕ ብሊንከን ኣብ እስራኤል 

ምብጻሕ ብሊንከን ኣብ እስራኤል

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንኽዝትይ ኣብ እስራኤል ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሊንከን ኣብ እስራኤል ኣብ ዝኣተውሉ ዕለት ኣብ ቓዛ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ኣብቲ ብሓማስ ዝመሓደር ቓዛ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ማዕልታት 126 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

ብሊንከን ምስ ርእሰ ብሔር እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት ንምንካይ ኩሉ ዝከኣል ጥንቃቐታት ምግባር የድሊ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ብሊንከን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣናገደደ ብዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ምኽንያት ንራብዓይ ግዜኡ ናብቲ ዞባ ምብጻሕ የካይድ ምህላዉ ይንገር።

ኣብ መሬት ቓዛ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ዕለት 8 ጥሪ ብውሕዱ ትሽዓተ ወተሃደራት እስራኤል ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ፡ ካብዚኦም እቶም ሽዱሽተ ኣብ ካን ዩኒስ ብናይ እስራኤል ሓይሊ ምክልኻል ማኪና እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ዝሓልፍሉ ወሰን መገዲ ብዝተቐብረ ተፈንጃሪ ቦምቢ ብዘስዓቦ ሓደጋ ዝተቐትሉ ምዃኖም ይሕብር።

ሂዝቦላህ፡ ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ገጹ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣቢሉ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ቅድሚ ሕጂ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ንዘካየደቶ ግብረ ቅንጸላ ምላሽ እዩ ከም ዝበለን፡ ኣብ ካልእ ዞባዊ ምዕባለታት፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሶርያ ግዝኣት ሆምስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ወተሃደራዊ መጓዓዝያ ኣብ ዝፈነዎ መጥቓዕቲ 14 ወተሃደራት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት 20 ድማ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ክሕበር እንከሎ እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢ ሆምስ ኣብ ዝርከብ ገጠራት ኣብ ጥቓ መደብር ነዳዲ ከምዘጋጠመ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ሓቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካልኦት ክልተ ወተሃደራት ሶርያ ኣብ ዞባ ሆምስ እስላማዊ መንግስቲ ዕጡቓት ሓይሊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዘካየዶ ድብያ ከም እተቐተሉ የዘኻኽር።

10 January 2024, 16:00