ድለ

ኢጣሊያን -ኣፍሪቃን፥ ንሓባራዊ ዕብየት ዝኸውን ድልድል ኢጣሊያን -ኣፍሪቃን፥ ንሓባራዊ ዕብየት ዝኸውን ድልድል  (REUTERS)

ኢጣሊያን -ኣፍሪቃን፥ ንሓባራዊ ዕብየት ዝኸውን ድልድል

“ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ” ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ኢጣልያ ህዝባዊ ባይቶ ህንጻ ከም እተጀመረን እዚ ንሓባራዊ ዕብየት ዝኸውን ድልድል" ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝገብረ ዓውደ ኣኼባ ኢጣሊያን ኣፍሪቃን ኮይኑ፥ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ጆርጅያ ሜሎኒ ከም እትፈጸመ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ወግዓዊ ስነ ስርዓት እኣቀባብላን ሰላምታን ዝተበገሰ ዋዕላ ኢጣሊያን ኣፍሪቃን መንግስቲ ኢጣሊያ ናይቲ ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገርት ተረይና መራሒት ኣብ ዝኾነትሉ እዋን ዝካየድ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ፍጻመ ኮይኑ፡ ኢጣሊያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝግበር ሽርክነት እትህቦ ኣገዳስነት ዘርኢ ኮይኑ፡ ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ሚኒስተራት ዝካየድ ዝነበረ ዋዕላ ኢጣልያን ኣፍሪቃን ናብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ክብ ክብል ንመጀመርታ ግዜ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብናይ ቀረባ ተሓባበቱን ላዕለዎት ኣካላት መንግስትን ዝተሰነየ ናይ ሃገረ ኤርትራ ርእሰ ብሔር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ኣፍሪቃን፣ መሚኒስተራትን ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከምኡ’ውን ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፉ ከም ዘለዉን፥ ካብዚ ሓሊፉ ካብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ናይ ኣህጉራዊ ትካላት ቁጠባን ሃብቲ ገንዘብን ብዙሓ ጎናውነት ባንክታት ልምዓትን፣ ላዕለዎት ኣካላት እውን ዘሳተፈ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዋዕላ ንኹሎም ተጋባእያን ዕለት 28 ጥሪ ምሸት ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታሬላ ብዘቕረብዎ ናይ ድራር ዕድመ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

29 January 2024, 15:17