ድለ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዝፍጸም ሰብኣውነት ዘውርድ ተግባር ይኹንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዝፍጸም ሰብኣውነት ዘውርድ ተግባር ይኹንን  (ANSA)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዝፍጸም ሰብኣውነት ዘውርድ ተግባር ይኹንን

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ብሓይልታት እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ምክልባትን ስቅያትን ዘጉልሕ ጸብጻብ የቕርብ።ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ብሓይልታት እስራኤል ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ምክልባትን ስቅያትን ዘጉልሕ ጸብጻብ የቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ጸብጻብ፡ ፍልስጤማውያን ካብ ሓይልታት እስራኤልን እስራኤላውያን ሰፋሮን ዓመጽ ኣብ ዝፍጸመሉ ቀጻሊ ራዕዲ ይነብሩ ምህላዎም የመላኽት።

ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ እቲ ጸብጻብ እስራኤላውያን ሰፋሮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ግሁድ ወሰኽ ከምዘርኣየ ይሕብር። ብድምር ካብ ዕለት 1 ጥሪ ክሳብ ዕለት 27 ታሕሳስ 2023 ዓ.ም. ሕቡራት ሃገራት ብኢድ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል 492 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ የረጋግጽ።

ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብእስራኤላውያን ሰፋሮ ዝፍጸም ዓመጽ ደው ክብልን ነቶም ነዚ ዓመጽ እዚ ዘለዓዕሉ ገበነይናታት ክኽሰሱን ይጠልብ።

ንህጻናት ዝቐተለ ዓመጽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ

ዩኒሴፍ - ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ጉዳያት ሓልዮ ህጻናት ትማሊ ሓሙስ ዕለት 28 ታሕሳስ ኣጋምሸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ሓዊሱ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ንዝርከቡ ህጻናት ናይ ቅትለት ዓመት ምዃኑን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ዓመጽ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ ከምዝበጽሐን ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተው ክልተ ሰሙናት 83 ህጻናት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ - እዚ ድማ ኣብ መላእ 2022 ዓ.ም. ካብ ዝሞቱ ህጻናት ልዕሊ ዕጽፊ ምዃኑን፡ ካብዚ ብተወሳኺ ዩኒሴፍ ልዕሊ 576 ሰባት ከምዝቖሰሉን ካልኦት ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ይግለጽ።

እቲ ጸብጻብ፡ “ምብራቕ የሩሳሌም ሓዊስካ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀላይ ዮርዳኖስ ዚነብሩ ቈልዑ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዓመጽ ኬጋጥሞም ጸኒሑ እዩ፣ እቲ ዓመጽ ካብቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ እተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ኣትሒዙ ኣዝዩ ክብ እናበለ ይከይድ ኣሎ። ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ዓመጽ ካብ መጀመርታ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ 124 ፍልስጤማውያን ህጻናትን 6 እስራኤላውያን ህጻናትን” ክም እተቐትሉ ይሕብር።

ኣብ መደምደምታ ዩኒሴፍ ኩሎም ወገናት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ንህጻናት ካብ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ዓመጽ ንምክልኻልን ብህይወት ምንባር ዝብል መሰል መሰረት ዝገበረ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ንምሕላውን ዘለዎም ግዴታታት ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ። "ህጻናት መን ይኹን ኣበይ ብዘየገድስ ዒላማ ዓመጽ ክኾኑ ፈጺሞም የብሎምን" ይብል።

29 December 2023, 16:50