ድለ

ህዝባዊ መረጻ ኣብ ሰርቢያ ህዝባዊ መረጻ ኣብ ሰርቢያ  (AFP or licensors)

ህዝባዊ መረጻ ኣብ ሰርቢያ

ኣብ ሰርቢያ ድሕሪ ሓያሎ ተቓውሞታት ንሓይልን ብቕዓትን እቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ፖለቲካዊ ውድብ እታ ሃገር ዝፍትን ሃገራዊ ህዝባዊ ባይቶን ናይ ከባብታት ላዕለዎት መርሕነት ንምምራጽ ዕለት 17 ታሕሳስ ህዝባዊ መረጻ ምክያዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰርቢያውያን ዕለት 17 ታህሳስ ሓድሽ መንግስቲ ዘቕውም ነቲ 250 መናብርት ዘለዎ ባይቶ ሰርብያ ዝውክሉ ኣካላት ንምምራጽ ድምጺ ከም ዝሃቡን ርእሰ ብሔር ኣሌክሳንደር ቩቺች ዝመርሖ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገስጋሲ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ቅድሚ እቲ ህዝባዊ ምርጫ ምክያዱ ብኽልተ ነጥቢ ይመርሕ ከም ዝነበረ ናይ ፖለቲካን ህዝባዊ መረጻ ተንተንቲ ይሕብሩ ከም ዝነበሩን፡ እቲ ማእከላይ ጥምረት ፖለቲክዊ ውድብ ነቶም ካብ 2012 ዓ.ም. ጀሚሮም ኣብ ዞባ ባልካን ዝመርሑ ዝነበሩ ህዝባውያን ፖለቲካዊ ውድባት ንምድኻም ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ካብ ሰርቢያ ዝወጸ ምንጪ ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መግንስቲ ዝቓወም ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልግራድ እንተድኣ ተዓዊቱ ንማእከላይ መግንስቲ ዘዳኽም ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፈጥር ከም ዝኽል ተንተንቲ ክሕብሩ እንከለዉ ንሩስያ ዝድግፉ ውድባትን ምስ ቩቺች ዝመሓዙ ውድብ ማሕበርነት ዝርከብዎም ሓያሎ የማናውያን ፖለቲካዊ ውድባት እውን ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ቮይቮዲና ኣብ ዝርከባ ኣስታት 60 ከተማታትን ዞባውን ሰበ ስልጣንን ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ዝውክሉን ምምሕዳር ከባቢታትን ንምቁጽጻር ይውድሩ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ናይታ ሃገር ምንጭታት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

ስልጣን ምድልዳል

ብቩቺች ዝምራሕ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ባይቶ  ዝበዝሐ ድምጺ እኳ እንተሃለዎ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ጥራይ ሕዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ከም እተጸወዐን። ብረታዊ መጥቓዕቲ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ድሕሪ ምጅማሩ፡ ቩቺች ስልጣኑ  ከደልድል ከምዝደሊ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ። ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ብልሽውናን እውን ቁጥዐ ህዝቢ የጋጥሞ ከም ዘሎ ክሕበር እንከሎ። ብተወሳኺ፡ ቩቺች ኣብታ ኣብ 2008 ዓ.ም. ናጽነታ ዝኣወጀት ግዝኣት ሰርብያ ነበር ኮሶቮ ንዝዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው ንምቁጽጻር ብዝወሰዶ ስጉምቲ ዝንቀፍ ኮይኑ፡ እቲ ናጽነት ኮሶቮ በልግራድ ኣፍልጦ ከም ዘይሃበትሉ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ደገፍቲ ቩቺች ምርግጋእ ዓቂቡ ንሃገሮም ናብ ዝሓሸ መጻኢ ክመርሓ ዝኽእል እንኮ መራሒ ገይሮም ይርእይዎ።

ብዙሓት ሰርብያውያን ሃገሮም ሓደ መዓልቲ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ክትከውን ተስፋ ከም ዘለዎምን ይኹን እምበር ምስ ኮሶቮ ዘሎ ወጥርን ምልካዊ ቅዲ ቩቺችን ንሩስያ ዝድግፍ መምርሕታትን ንተስፋታት ደገፍቲ ህብረት ኤውሮጳ ዘዳኽም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ጉዳያት ባልካን ፖለቲካ ተንተንቲ ዝሃብዎ ርእይቶ ጠቒሱ ይሕብር።

18 December 2023, 16:26