ድለ

A displaced Palestinian woman sits with her children around a fire, in Khan Younis A displaced Palestinian woman sits with her children around a fire, in Khan Younis 

ኣድህን ህጻናት - 'ኣብ ጋዛ ሰኣን ውዕል ምቍራጽ ተኹሲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ህጻናት ይሞቱ ኣለዉ'

ዝሓለፈ ሰንበት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ እስራኤልን ጉጅለ ሓማስን እተገብረ ውዕል ምቁራስ ተዅሲ ምስ አብቅዐ ኣብ ካን ዮኒስ ወተሃደራዊ ወምጥቃዕቲ ክንዲ ዘስዓበ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ አብ ቃዛ ዘለዉ ቈልዑን ህጻናትን ውስሕስነት ህይወት ኣይረኸቡን ዘለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"መራሕቲ ዓለም ብህጹጽ ነዚ ውግእ ደው ኬብልዎ ኣለዎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ብዙሓት ቈልዑን ህጻናትን ብሰንኪ እቲ ብልሽው ፖለቲካ ብህይወቶምን ኣብ መጻኢኦምን ዋጋ ይኸፍሉ አለዉ ። እዚ ክሳዕ ዝኸውን ድማ ኣብ ጋዛ ውሑስ ዝዀነ ቦታ ኣይኪህሉን እዩ።"

እዚ ቃላት እዚ ናይታ ሃገር አወሃሃዲ አድሕን ሕጻናት ዝኾነ ብሰንኪ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሓማስ ዘውርድዎ ዝለዉ መጥቃዕቲ ብዘይምቍራጽ ስለ ዝቐጸለን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ውን ኣብ ደቡብ ገማግም ቃዛ ስለ ዘተኰረን ከምኡ ውን እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ፍልስጥኤም ዝነበረ ግዝኣታት ከይተረፈ ስለ እተላብዐን ዘቕረቦ ስምዕታ ኢዩ ዝነበረ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝነበረ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ምስ አብቅዐ  ጄይሰን ሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዚ በለ - "ቈልዑን ስድራቤቶምን ድሕንነት ንምርካብ አብ ዝቃለሱሉ ዝለዉ ኣብ ደቡብቂ ቃዛ ኢየ ዘለኹ። ይኹን እምበር አብዚ እዋን እዚ ኣብ ቃዛ ውሕስነት ዚርከበሉ ቦታ የልቦን። ናብ ዝዕቆቡሉ ውን የብሎምን" በለ።

ኣስዕብ ኣቢሉውን "ስድራቤታት ድሕንነት ወይ ውሕስነት ናይ ምምላስ ናብ ዘይብሉ ንኣሽቱ ዝኾነ ቦታታት ንኽግዕዙ ብሓይሊ ብሰበ-ስልጣን እስራኤል ይግደዱ አለዉ፣ ከምኡውን ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ መዋቕርን ኣገልግሎታትን ይረኽቡ የለዉን " ድማ በለ ።

ሊ ኣብታ ሰላማውያን ሰባት ብደሓን ክነበሩ ብሰራዊት እስራኤል ክግዕዙ ተነጊርዎም ዝነበረ፣ ሕጂ ግን መጥቃዕቲ ዝወርዶም ዘሎ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ እትርከብ ካን ዮኒስ እትበሃል ከተማ ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚሩ አብ ዝሃለወሉ ብምሉኦም ተቐማጦ ቃዛ ምንም ውሕስንበት ህይወት ከም ዘይብሎም ገሊጹ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ሰሜናዊ ቃዛ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸራ ስድራቤታት ኣብ ሓደጋ ኢየን ዘለዋ፣ ከም ሆስፒታላትን ናይ ጽሬትን ዝኣመሰለ ወሳኒ ህንጻታትን ኣገልግሎታትን ስለ ዝዓነዉ ኸአ ጥሜትን ሕማምን ጕድኣትን ሞትን ብኸቢድ ከጋትሞም ከም ዝኽእል ይንገር አሎ።

እዚ ውግእ ብ7 ጥቅምቲ ኻብ ዚጅመር ኣትሒዙ ኣብ ቃዛ 16,248 ፍልስጥኤማውያን ተቐቲሎም እዮም፣ ብዘይካ እዚአቶም ድማ 7,112 ዝኾኑን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ህንጻታት ሞይቶም ክኾኑ ዝኸውል ኢዮ ዝብል ፍርሂ ድማ ኣለዎም።

07 December 2023, 16:33