ድለ

ኣርእስተ ብሔራት ቬንዙዌላን ጉያናን ኣብ ሞንጎ ሃገሮም ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ምዕላይ ክዝትዩ ኣርእስተ ብሔራት ቬንዙዌላን ጉያናን ኣብ ሞንጎ ሃገሮም ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ምዕላይ ክዝትዩ  (AFP or licensors)

ኣርእስተ ብሔራት ቬንዙዌላን ጉያናን ኣብ ሞንጎ ሃገሮም ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ምዕላይ ክዝትዩ

ኣርእስተ ብሔራት ጉያናን ቬንዙዌላን ዝመጽ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 14 ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ እቲ ብነዳዲ ዝሃብተመ ኣካታዒ መሬት ምኽንያት ዝተፈጥረን እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ንናይቲ ዞባ ንምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ቅልውላው ንምውጋድ ንዘተ ክራኸቡ መደብ ከም ዘለዎም ይንገር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጎ ኣርእስተ ብሔራት ጋያናን ቬንዙዌላን ተፈጢሩ ዘሎ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎን ንናይተን ሃገራት ዞባ ምርግጋእ ንሓደጋ ዘቃልዕ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ ሴንት ቪሰንትን ግሬናዲንን ንዘተ ክራኸቡ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ እዚ ዋዕላ ኣብ ልዕሊ እቲ 159, 500 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝስፍሓቱን ክልተ ሲሶ መሬት ጋያና ዝኾነ ኣካታዒ ዞባ ኤሰኪቦ ንምሽምጋል ዝግበር ፈተነ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ 800 ሽሕ ህዝቢ ጋያና ልዕሊ 125 ሽሕ ዝሽፍን ኣብቲ ኣካታዒ ዞባ ዝነብር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዞባ ብውሳነ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ 1899፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንግሊዝ ዝነበረ መሬት ጋያና ኮይኑ ከም ዝጸንሔን ቬንዙዌላ ነቲ ብይን ወትሩ ትነጽጎ ከም ዝነበረ እዩ ዝፍለጥ።

እቲ ኩነታት ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ መሬት ባሕሪ ምስ ምርካብ ዓብይ ዕቑር ነዳዲ ምኽንያት እንዳገደደ ከም ዝኸደን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብኡ ዘሎ ምህርቲ ነዳዲ ዓመታዊ 300 ሽሕ በርሚል ኮይኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት 800 ሽሕ በርሚል ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ጋያና ኣብኡ ንዝርከቡ 14 ከባቢታት ንዳህሳስ ነዳዲ ብዝብል ዕላማ ንጨረታ ኣቕሪባቶ ከም ዝነበረን። ዕለት 3 ታሕሳስ ብቬንዙዌላ ዝተኻየደ ናይ ህዝቢ ውሳኔ፡ 95 ሚእታዊት እቲ ከባቢ ሕጂ መሬት ቬንዙዌላ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ድምጺ ከም ዝሃበሉን እዚ ድማ ነቲ ዕለት 1 ታሕሳስ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ እቲ ዘካትዕ ዘሎ ጉዳይ ኣገዳሲ ውሳኔ ዝህበሉ ብክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ከይመሓላለፍ እንክብል ሂብዎ ንዝነበረ ውሳኔ ዝጻረረ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት እቲ ኩነታት ዝያዳ እንዳገደደ ይኽይድ ምህላዊ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ቬንዙዌላ ታረክ ዊልያም ሳዓብ 14 ተቓወምቲ ፖለቲከይናታት ነዚ ክርክር ብዝምልከት ክድዓት ፈጺሞም ብምባል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን። ኣብ ልዕሊ ኤክሶን ሞቢል እተሰምየ ናይ ነዳዲ ትካል ነቲ ዞባ ናብ ዘይምርግጋእ ዘእትው ዝዓለመ ውዲት ይምውል ኣሎ ዝብል ከሲ እውን ከም ዘቕረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ጋያና ርእሰ ብሔር ኢርፋን ዓሊ፡ ነቲ ምስሕሓብ ብመንገዲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክፍታሕ ንዝብል መርገጺ ምሉእ ተወፋይነት ከምዘለዎም ክገልጹ እንከለዉ። ጎረቤት ሃገር ብራዚል ማለት ኣብቲ ምስ ጉያና ኣብ ዘዳውባ ዞባ ወተሃደራታ ከም ዘዋፈረትን። ኣሜሪካን ጋያናን ኣብቲ ዞባ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይድና ክብላ ከም ዝሓበራን፡ ቨነዝዋላ ብወገና እቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ዝፈጥር እዩ ቢላ ከም ዝኾነነቶን ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 8 ታሓሳስ ዝተኣከበ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኩነታት "ኣሰካፊ" ክብል ይገልጾ። ቬንዙዌላ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ኣፍራዪት ነዳዲ እኳ እንተኾነት፡ እገዳ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንቑጠባኣ ኣዚዩ ከም ዝሃሰዮ እዩ ዝንገር።

11 December 2023, 15:10