ድለ

ናይጀርያ፡ ኣብ ዋዜማ ልደት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 140 ሰባት ተቐቲሎም ናይጀርያ፡ ኣብ ዋዜማ ልደት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 140 ሰባት ተቐቲሎም  (AFP or licensors)

ናይጀርያ፡ ኣብ ዋዜማ ልደት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 140 ሰባት ተቐቲሎም

ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ማእከላይ ግዝኣት ፕላቶ ኣብ መንጎ እቶም ስበኽ ሳግምን ጓሶትን ሓረስቶትን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢ ብዙሓት ተቐማጦ ዓድታት ከም ዝቐተሉ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ኣብ ሰሜናዊ ማእከላይ ክፋል ናይጀርያ ኣብ ግዝኣት ፕላቶ ኣብ ዝርከባ ርሑቓት ዓድታት ዕጡቓት ድሕሪ ዘካየድዎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 140 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ድማ ከም ዝሃደሙን ሃለዋቶም እውን ዘጥፍኡን ከም ዘለዉ ይንገር።

ሰበስልጣንን ካብ ሞት ዝደሓኑንን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዋዜማ ልደት ዝተፈጸመ ምዃኑ ኣረጋጊጾም እቲ ቅትለት ድማ ኣብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብዘጋጠመ ቅልውላው ሓረስቶትን ጓሶትን ከም ምኽንያት ብምቕራብ ነዚ ጉዳይ እዚ ከም ዝነቐፉን እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ "ናይ ገበን ጉጅለታት" ተባሂሎም ብዝጽውዑ ወተሃደራዊ ጕጅለታት፡ ኣብ ልዕሊ "ካብ 20 ዘይውሕዱ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት" መጥቃዕቲ ከምዘካየዱን፡ ዕለት 24ን 25 ታሓሳስ ኣባይቲ ከምዘቃጸሉን ገሊጾም። ዕለት 25 ታሕሳስ እውን ገና ተኹሲ ይስማዕ ከም ዝነበረ ይሕበሩ።

ዘስካሕክሕ በዓለ ልደት

ኣመሓዳሪ ፕላቶ ካሌብ ሙትፍዋንግ፡ ኣብ ከባብያዊ ምምሕዳር ማንጉ ጥራይ፡ ትማሊ ሶኑይ 15 ሰባት ከምዝተቐብሩን፡ ሰበስልጣን ቦኮስ ድማ ካብ 100 ዘይውሕዱ ሬሳታት ከምዝቖጸረ ክሕብር እንከሎ፡ ሙትፍዋን፡ ብዝሒ ዝሞቱ ገና ከም ዝተዘይፍለጥ ሓቢሮም "ኣብዚ ፕላቶ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ልደት ኣሕሊፍና" ክብል ልዕሊ 300 ዝቖሰሉ ናብ ቤት ሕክምና ከምዝተወስዱ ኣፍሊጦም ክብል ዜና ቫቲካን ካብ ናይጀሪያ ዝወጸ ሓበሬታ ጥቒሱ የመላኽት።

ቤት ጽሕፈት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ናይጀርያ ንኣሶሺየትድ ፕረስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝኣት ፕላቶ ዝበዝሑ ክርስትያን ኣብ ዝቐምጥሉ ከባቢታት ቦኮስን ባርኪን-ላዲን 140 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ፡ እዚ ድማ ኣብ ባይታ ብዝርከቡ ሰራሕተኛታቱን ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ብዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ገይሩ ከምዘፍለጠን ቁጽሪ ዝተቐትሉ ከውስኽ ይኽእል ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ እውን ከም ዘፍልጠ ዜና ቫቲካን ኣሶሺየት ፕረስ ኣገልጎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

ገበንናት፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር፡ ማሕበራዊ ወጥሪ

ገለ መሰኻኽር፡ ትካላት ጸጥታ ንዝቐረበሎም ጻውዒት ሓገዝ ምላሽ ቅድሚ ምሃቦም ልዕሊ 12 ሰዓታት ከምዝወሰደ ይዛረቡ። ዋላ እኳ ወቐሳ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መላእ ሰሜናዊ ምዕራብን ማእከላይን ዞባታት ከምዚ ዓይነት ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም ዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ ካብ ቀቢላ ፉላኒ ዝመጹ ጓሶት ዝቐረበ እውን እንተኾነ፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ጉጅለ ገና ብወግዒ ከም ዘየለ እዩ ዝፈልጥ።

እቶም ዕጥቓት ጉጅለታት ኣብ ጽዑቕ ኣግራብ ካብ ዝርከበሉ መደበራቶም ይንቀሳቐሱን ዓድታት ብምውራርን ንብረት ተቐማጦ ይዘምቱን ሰባት ይቐትሉን ከምኡ እውን  ኣብ መንጎ ዘላቒ ጓሶትን ሓረስቶትን ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ግጭትን ብዝሒ ህዝብን ጸቕጢ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝተጋደደ ቦታታት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ባህርያዊ ሃብቲ ንምውናን ማሕበራዊ ወጥሪ ብቢ እዋኑ እናገደደ ዝኸድ ዘሎ ውጥረት ዘሰክፍ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ጅሃዳዊ ግጭት ከም እተለዓለን ምስቲ እስላማዊ መንግስቲ ዝበሃል ጉጅለ ርክብ ዘለዎ ቦኮ ሓራም እተሰምየ ጉጅለ ዕጡቓት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ስልጣን ንምብጻሕ ኣብ ዘካይዶ መጥቓዕትታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 2 ሚልዮን ድማ ከም እተመዛበሉን ዜና ቫቲካን ናይታ ሃገር ጸብጻባት ጠቒሱ ይሕብር።

መልሲ መንግስቲ

ሰራዊት ናይጀርያ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዝፍጽሞ ማእሰርቲ ሳሕቲ እኳ እንተኾነ፡ ብሓገዝ ካልኦት ትካላት ጸጥታን ደሕንናት ሃገር ናይጀርያ፡ ጥርጡራት ንምድላይ "ስርሒታት ምጽራይ" ከምዝጀመረ ገሊጹ።

ርእሰ ብሔር ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ርእሰ ብሔር ክፈትሖ ዘይከኣለ ጸጥታዊ ብድሆታት ክምክት ቃል ድሕሪ ምእታዉ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝተመርጸ ኮይኑ፡ ትካላት ጸጥታ “ንነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይቲ ዞባ ክምርምሩን ገበነይናታት ክሕዙን” መምርሒ ከምዝሃበ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

ብተወሳኺ ነቶም ዝደሓኑ “ቅልጡፍ ምውህሃድ ጸጋታት ረድኤት” ከምኡ’ውን ንዝቖሰሉ ቅልጡፍ ሕክምና ክግበረሎም ከም ዝኣዘዘን ካብታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

28 December 2023, 16:46