ድለ

Smoke rises inside northern Gaza Strip following an airstrike, as seen from southern Israel Smoke rises inside northern Gaza Strip following an airstrike, as seen from southern Israel 

ካብ ግብጺ ናብ ጋዛ ዚሓልፍ ዘሎ ተወሳኺ ረድኤት

መራሒ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ቃዛ ነቲ ውግእ ደው ኬብሎ ዚኽእል ንዝዀነ ይኹን ተበግሶ ምስ እስራኤል ንምምይያጥ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝገለጾ ኢስማኢል ሃኒየ ነቲ ብቐጻሊ ዚፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ኬብልዎ ብዛዕባ ዚኽእሉሉ ዝዀነ ይኹን መሰናድዎ ወይ ተበግሶ ኺመያየጥ ከም ዚኽእል ገሊጹ ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ጉጅለ ሓማስ ዝዀነ ሃኒየ አብ መራኸቢ ብዙሓን ብቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ብዘይ ሓማስ ብዛዕባ መጻኢ ቃዛ ዚገልጽ ዝዀነ ይኹን መሰናድዎ ኸም ዘይዕወት ገለጸ ። ሃኒየ ነቲ ው. ሕ. ሃ. ዘበገሶ ኣብ ቃዛ ህጹጽ ትኹሲ ናይ ምቁራጽ ውሳነ ብሓጐስ ተቐቢልዎ አሎ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እስራኤል ብዙሓት ወተሃደራት ሓማስ ኣብ ሰሜናዊ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኢዶም ከም ዝሃቡ ትገልጽ ።

ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤትን ነዳድን

ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ግብጺ ነቲ በብመዓልቱ ናብ ገማግም ቃዛ ዚለኣኽ መጠን ነዳዲ ኻብ 129,000 ናብ 189,000 ሊትሮ ኸም ዘዛየደቶ ትገልጽ አላ ። ካብ 21 ጥቅምቲ ኣትሒዙ 4,057 ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ዝጸሓና ዓበይቲ ማካይን ካብ ግብጺ ናብቲ ራፋ ዝበሃል ከባቢታት ተሳጊረን አለዋ ።

እዚ ድማ መድሃኒት መግቢ ማይ 2,678 ቶን ነዳዲ ከምኡውን 48 ኣምቡላንስን ድንኳናትን ዘጠቓልል ኢዩ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ እስራኤል ኣምባሳደር አብ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ዘሎ መፍትሔ ክኸውን ዝኽእል ናይ ኽልተ-መንግስታት ዝብል ሓሳብ ነጺግዎ ይርከብ፣ አብ መግለጺኡ ድማ  ፍልስጥኤማውያን 'ኣብ ጥቓ እስራኤል ዝኾነ መንግስቲ ኽህልዎም ፈጺሞም ኣይደለዩን ኢዮም ' ድማ በለ።

 

15 December 2023, 17:46