ድለ

ኲናት ቓዛ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሕድሮ ‘ኣዕናዊ ጽልዋ’ ኲናት ቓዛ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሕድሮ ‘ኣዕናዊ ጽልዋ’  (ANSA)

ኲናት ቓዛ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘሕድሮ ‘ኣዕናዊ ጽልዋ’

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ክንክን ጥዕና ኣብቲ ከባቢ ኣዕናዊ ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ይገልጽ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሰራሕተኛታት ጥዕና ክግመት ኣብ ዘይከኣል ጽንኩር ኩነታት ክሰርሑ ይግደዱ ምህላዎም ብምሕባር እቲ ግጭት ደው ክብል ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ካብ ማእከል ቀንዲ ከተማ ደቡባዊ ቓዛ ዝኾነት ካን ዩኒስ ክወጹ ከም ዝኣዘዘትን። ሓላፊ ሰራዊት እስራኤል፡ ሰራዊቱ ንሓማስ ንምስዓር ዝያዳ ጸቕጢ ክግብር ከምዝ ሓተተ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ፡ ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲ እስራኤል፡ ፍርቂ ደቂ ቓዛ ብጥሜት ይሳቐዩ ከምዘለዉን መብዛሕቲኦም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት መዓልታዊ መግቢ ይረኽቡ ከም ዘየለዉ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ቀዳም ዕለት 9 ታሕሳስ ርእሰ ብሔር ርእሰ ምሕደራ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ኣሜሪካ ኣብ ቓዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ዝጽውዕ ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ምድምጺ ውድቂ ናይ ምግባር መሰላ ተጠቒማ ከይጸድቕ ብምግባር ኣብ ገበናት ኲናት ተሓባባሪት እያ ክብሉ ከም ዝኸሰሱን ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ባይቶ ጸጥታ ተኹሲ ደው ክብል ምሕታት ብዘይምኽኣሉ ከምዘጣዕሶም ገሊጾም - እቲ ትካል ልሙስ ከም ዘሎ ይዛረቡ።

እዚ ቅልውላው ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሓማስ ንእስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺሙ 1200 ሰባት ቀቲሉ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 240 ጅሆ ምስ ሓዘ ዝተበገሰ ከም ዝኾነን ሓማስ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እስራኤል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ወፍሪ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለት ይገልጽ።

11 December 2023, 15:05