ድለ

INDONESIA-UAE-UN-COP28-CLIMATE-COAL INDONESIA-UAE-UN-COP28-CLIMATE-COAL  (AFP or licensors)

መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕባ ኩነታት አየር አብ ጉዳይት ምውጋድ ቅጥራን ነዳዲ ዘትዩ

መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ኣብ ዱባይ እተኻይደ አብ ጉዳይታ ምውጋድ ቅጥራን ዘይቲ ነዳዲ ዘማእከለ ምይይጥ አካዪዱ፤ ኣመሓዳሪ መደባት ኣከባቢያዊ ኩነታ ኣየር አብ ትካል ቀዋሚ ዕቤትን ኣህጉራዊ ርክባትን (IDDRI) ንመራሕቲ ዓለም ኣብቲ ብ12 ታሕሳስ ኪሰማምዑሉ ዘለዎም ሰነድ ዝጥቀሙሎም ቃላት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎም ገሊጻ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ዓለም ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ንዝወስድዎ ስጕምቲ ንኸየደናጕዩ ንምትብባዕ ገዳዲ ድምጾም ድሕሪ ምስምዖም፣ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ እዚ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር አብ ዝምልከት ቀንዲ ጕዳያት ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ክዛተ ከም ዝጀመረ ተፈሊጡ ።

እቶም አቐዲሞም ዝተአትዉ ውዕላት ማለት ነቲ ብዕለት 12 ታሕሳስ እተመደበ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ኣብ መወዳእታ ናይ ዛዛሚ ሰንበዱ ንምጽዳቕ ብመሰረት እቲ ኣብ ናይ 2015 ውዕል ፓሪስ እተሰማምዓሉ ነቲ ብ1.5 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ዝውስኽ ዘሎ ሙቐት ዓለም ንምቍጽጻር ካብ ኣሰረ-ህይወት እተወስደ ጸዓት ርሒቖም ብዛዕባ ንጥፉ ጸዓት ምጥቃም አብ ዝምልከት ርሱን ዛዕባታት ይመያየቱ አለዉ ።

ተመራመርቲ ስነ-አከባቢያዊ ኩነታት አየር ከም ዝገለጽዎ ልዕሊ 1.5 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ዝኸውን ምውሳኽ ሙቐት ናይ ንምድሪ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብፍላይ ከኣ ነተን ኣብ አብ ደቡባዊ ክፍሊ ዓለም ዚርከቡ ብቐሊሉ ዚሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎን ተደጋጋሚ ናብ ዝኾነ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር ከም ዜቃልዖም ይገልጹ።

እቲ ብሓደ ድምጺ ኺጸድቕ ዘለዎ ናይዚ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ናይ መወዳእታ ሰነድ ነቲ ናይ 2015 ውዕል ፓሪስ መመላእታ ንምሃብን ነተን 197 ሃገራትን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ዝፈረማኦ ውዕል ብዛዕባ ለውጢ ዅነታት ኣየርን ነቲ ሃገራት ኣብ 2025 ኬቕርባኦ ዘለወን ሓድሽ መብጽዓታት መንገዲ ዝኸፍትን ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ቕድሚ እዚ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ኣብ መስከረም እተሓትመ ሰነድ ብዛዕባ ትግባሬ እቲ ታሪኻዊ ውዕል ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር፣ ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ፤ ሃገራት ክሳዕ ሕጂ ዝወስዳኦ ስጕምትታት ነቲ ዓለምለኻዊ ምውሳኽ ሙቐት ብሰንብኪ አጠቓቕማ ጸዓት ብዘሎ ደረጃታት ናብ 2 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ደረት ንምግባር እኹል ኣይኰነን ክብል የመልክት ። ካብቲ ጸብጻብ ብዝተረኽበ ስነ-ሜላዊ ርኽበታት ከም ዝሕብሮ ካብ ናይ መንግስትን ናይ ውልቀ - ሰባትን ትካላት ንዝመጹ ዅሎም ተዋሳእቲ ካብዚ ንላዕሊ አድላይነት ከም ዘለዎ ኢዮም ዝሕብሩ ።

መራሕቲ ሃገራት ነቲ ኣብ ዱባይ ዘካይድዎ ዘተ አብ ልዕሊ እቲ ሕቡራት መንግሥታት ዓዲ እንግሊዝን ሲንጋፖርን እተዳለወ ሰነድ ተመርኲሶም ኪመርሕዎ እዮም፣ እቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ ሃገራት "ጸዓት ነዳዲ ምንካይ ወይ ካብኡ ምውጻእ" ዝዓለመ መንገድታት ኬዳልዋ ኸም ዘለወን ይገልጽ።

'ኣገዳስነት' ኣጠቓቕማ ቃላት

ሎላ ቫለጆ ኣብ ትካል ቀዋሚ ዕቤትን ኣህጉራዊ ርክባትን ከም ኣመሓዳሪት ጉዳያት ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር እተገልግል ንአገልግሎት ዜና ቫቲካን አብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብቲ ዝወጽእ ሰነዳት ኣጠቓቕማ ቃላት ዘለዎ አገዳስነት ኣመልኪታ ከም ዝተዛረበት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ጐድኒ ብዙሓት ኣብ እምነት እተመስረታ ውድባትን ጕጅለታት ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ነቲ ቐንዲ መራሕቲ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዝዀነ ኸሰል ነዳዲ ዘይቲ ከምኡውን ጋዝ ምሉእ ብምሉእ "መዕገቲ" ንኽግበረለን ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እተን ኣሰረ-ህይወት ተጠቂመን ጸዓት ዘፍርያ ሃገራት ነቲ ኣብ ዓለም ዝውስኽ ዘሎ ዓቐን ሙቐት ምክንያት ክንዲ ዝኾና፣ ነቲ ካብ "ነዳዲ ዘይቲ" ዝርከብ ጸዓት ብምንካይ ወይ በብደረጃኡ ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ጸቕጢ ይግብረለን ከም ዘሎ ውን አመልኪታ።

05 December 2023, 15:30