ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፥ ካብ ውግእ ንላዕሊ ንህጻናት ምረጹ! ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፥ ካብ ውግእ ንላዕሊ ንህጻናት ምረጹ!  (AFP or licensors)

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፥ ካብ ውግእ ንላዕሊ ንህጻናት ምረጹ!

ዕለት 20 ሕዳር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት፥ ህጻናት ኣብቲ ኣብ ዓለም ብቐጻሊ ዝርአ ኣብ ዘሎ ግጭት ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፉሉ ምዃኖም ብዘስተንተነ ኣገባብ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለን፥ ኣብታ ዕለት እቲኣ ንናይ ህጻናት መጻኢ ምጥማት ይጽናሓለይ ዘይበሃል ምዃኑ ዘመላኸተ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ፍልስጥኤማውያን ምቕታልን ምጉዳእን ምምዝባልን ዝድርኽ ዘሎ ከቢድ ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን ስድራ ቤት ናይቶም ብዕጡቓት ሓማስ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተጨውዩ ኣስታት 30 እስራኤላውያን ህጻናት ናጻ ክልቐቁን ምእንታኦም ጸሎት ኣብ ዝገበረሉ ዘሎ እዋን ተዘኪሩ ዝወዓለ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ኣድሕን ህጻናት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ጠበቓን ጉዳያት ግጭትን ሰብኣዊ ረድኤትን ሓላፊ ጃምስ ደንስሎው ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ “እዚ ግጭት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘስዕቦ ኵለ መዳያዊ ጸገም ምርዳእ ኣገዳሲ ይመስለኒ። እቲ ኣርዑት ናይቲ ውግእ ኣብቶም ገና መንኮቦም ዘይደልደለ ዕሸላት ይወድቕ ኣሎ” ኢሉ።

ጋዛ እታ ኣብ ዓለም ኣዚያ ዝነኣሰት ግን ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ክፋል ዓለም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህጻናት እውን ከም ዝርከቡን እቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ዘውርዶ ዘሎ መዓት እቲ ዝዓበየ ምዃኑን ብውሑድ ልዕሊ 5 ሺህ ሕጻናት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ከም ዝሞቱን ገሊኣቶም እውን ሃለዋቶም ገና ከም ዘይተረኽበን ብዙሓት እውን ከም ዝቖሰሉን ከቢድን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዘሰንዮም መጎዳእቲ እውን የጋጥሞም ምህላዉ ይሕብር።

ብዙሓት በቲ ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብን ውግእን ካብ ኣባይቶም ከም እተመዛበሉን ነዞም ሕጻናት እዚኣቶም ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘጸግም ብምዃኑ ንብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ተስፋ ዘቕሩጽ ይመስል ከም ዘሎን ናብቲ ዝርከቡሉ ቦታ ንኽትበጽሕ ዘይከኣል ስለ ዝኾነ” እንክብል ይሕብር።

ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም

እቶም ውግእ ዘካይዱ ዘለዉ መሰል ህጻናት ቀዳምነት ዘይህብሉ ጉዳይ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ኩነታት እዚ ሓገዝ ንምቕራብ ዘጸግም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ዝቐርብ ዘሎ እውን ምስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክነጻጸር እንከሎ ኣዚዩ ውሑድ እዩ . . . በቲ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሕጂ 100 ኣባላቱ ከም  ዝሰኣነ እውን ኣመልኪቱ፡ . . . እቲ ህዝቢ ይስደድ ኣሎ። ኣብኡ ተሪፍኻ ሓገዝ ምቕባል ትርጉም የብሉን፡ ምኽንያቱ ቀዳምነት ህይወትካን ህይወት ኣባይቲ ስድራኻን ምድሓን ስለ ዝኾነ። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምታው ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓቢይን ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዘሰንብድ እውን ምዃኑ የብርሁ። ዓቢ መከራ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን እዩ!”

ዝተወልዱ ዕሸላት ህጻናት ካብቲ ከባቢ ንኽወጹ ዝገበር ዘሎ ጻዕሪ

“ኣብ ከምዚ ጽንኩር እዋን እዚ ኣብ ጋዛ ካብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ሕክምና ዝተወልዱ ህጻናት ብህይወቶም ዝተረፉ ናብ ምስሪ ንኽኸዱን ብዙሓት ቅድሚ ናይ ምውላድ ግዜኦም ማለት ቅድሚ 9 ወርሒ ዝተወልዱ ክንክን ዝግበረሎም ዝነበሩ ከይተረፉ እውን ንምውጻእ ዝተገብረ ጻዕሪ ዘሕዝን እዩ። ብዙሓት ድማ ንምውጻኦም ዘጸግም ኮይኑ ኣብኡ ከም ዝተረፉን እዚ ኩነታት እዚ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ዘሕፍርን ክኸውን ኣለዎ . . . ።

ኣባይቲ ስድራ ከይተፈላለዩ ብሓንሳብ ምድሓን ወይ ምሟት ይመርጹ

ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ብሓባር ምድሓን ወይ ሙማት ዝመረጹ እውን ከም ዝኾኑን ኣብኡ ህይወተይ ከድሕን ዘይኮነስ ህይወትና ከነድሕን ዝብል ሓባራዊ ምድሓን ዝመርጹ ኣባይቲ ስድራ ብዙሓት እያቶም . . . ኣብቲ ቤት ህክምና ንኽሕከሙ ዝመጹ ብዙሃት ህጻናት ብዘይ ወለዲ ከም ዝነበሩን እዚ እውን ብዝሒ ዘኽታማት ሕጻናት ክብ ዘብል ምዃኑ ንጹር እዩ . . .

ዝተጨውዩ ህጻናት እስራኤል ናጻ ክልቐቑ ንጽውዕ

ኣስዒቡ ይብል ጀምስ ደንሰሎው፥ “እቲ ካልእ ክንርስዖ ዘይብልና መዳይ ድማ፥ “ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ስድራ ቤትን ሕጻናትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዘይሕለል ጻውዒት ምቕራብ እዩ . . . ህጻናት ምጭዋይ ከቢድ ገበን እዩ . . . ።”

እቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣዚዩ ፖለቲካውን ጉጅላውን ምውጋንን ዝራኣይሉ ከም ዝኾነን ስለዚ ካብ ፖለቲካን ምውጋንን ህጻናት ምምራጽ የድሊ . . . “ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 November 2023, 16:39