ድለ

Hostages are released as part of a deal between Israel and Palestinian Islamist group Hamas Hostages are released as part of a deal between Israel and Palestinian Islamist group Hamas 

ጉጅለ ሓማስ ንኣመንቲ ምስልምና ውን ከም ዝጨወዩ

አብ መንጐ እቶም ወተሃደራት ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ናብ እስራኤል ብምእታው ጅሖ ሒዞም ዝወሰድዎም ብዙሓት ሰባት ገለ ሰበኽ ሳግም አለዉዎም፣ ካብዚኣቶም ድማ ጓል 16 ዓመት ኣዪሻ ምስ ኣቡአን ክልተ ኣሕዋታን ተጨውያ ትርከብ አላ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣዪሻ እተባህለት ጓል 16 ዓመት እስላመይቲ ሰበኽ ሳግም ናይ እስራኤል ፓስፖርት ዘለዋ ኣበይ ከም ዝአተወት ዝፍለጥ ዜና የለን ። ኣብቲ ሕማቕ ንግሆ ናይ ዕለት 7 ጥቅምቲ ምስ ሃምዛን ቢላልን ዝተባህሉ ክልተ ኣሕዋታ ዀይና ንዩሴፍ ኣቦኣ አብ ስራሕ ከተሰንዮ ወጸት ። ዩሴፍ ወትሩ ንግሆ ካብቲ ኣብ ነጌቭ እትርከብ ከተማ በደዊን መንበሪ ገዝኡ ወጺኡ፣ ናብቲ ኣብ ሆሊት ዚርከብ ሕርሻ ከይዱ ይሰርሕ ነበረ ።

በታ ንግሆ እቲኣ ነዞ ሰለስተ ደቁ ምስኡ ሒዝዎም ኢዩ ከይዱ ። ከብቲ እና ሓለቡ ከለዉ ኣርባዕቲኦም  በቶም ኣሸበርቲ ጉድለ ሓማስ ተጨውዮም ተወስዱ ። ኣብቲ እዋን እቲ እተጨውዩ በደዊን ግን ንሳቶም ጥራይ ኣይኰኑን ዝነበሩ ። ሰበ - ስልጣን በዱዊን ኸም ዝገለጽዎ ሸውዓተ ተወሰኽቲ ካልኦት ሰባት ምስአቶም ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም ፣ ኵላቶም ድማ ኣብ ከባቢ ጋዛ ኣብ ዚርከብ ኪቡቲዚም አብ ዕለታዊ ስርሖም ዝነበሩ ኢዮም ።

ብዘእባ ኩነታት ጥዕና ዮሴፍ ኣሰካፊ ሓበሬታ ኢዩ ዘሎ፣ ከቢድ ሕዱር ሕማም ሽኮርያ ስለ ዘለዎ ኢንሱሊን ዜድልዮ ኢዩ ። እቲ ዝያዳ ዘጨንቕ ግን ኵነታት ኣዪሻ ኢዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ መስርሕ ምፍታሕ ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝለዉ ሰባት አብ ዝካየደሉ ዘሎ ንኣዋልድን ንመንእሰያትን ቀዳምነት ዝህብ እኳ እንተዀነ ኣዪሻ ግን ካብዚኣቶም ኣይኰነትን ።

ጉጅለ ሓማስ ንብምሉኦም ኣባላት እታ ስድራቤት ኣብ ሕርሻ እስራኤላውያን ክሰርሑ ስለ ዝረኸብዎም ጥራይ ከም "ተሓባበርቲ" ገይሮም ኽትርእዮም ብምግባር ነቲ አብ ቅድሚ ፍልስጤማውያን ንእስላም ውን ከይተረፈ ምጭዋዮም ከይፍለጥ ኢሎም ይፍትኑ ከም ዘለው ዝብል ፍርሒ ዘሎ ።

ጉጅለ ሓማስ ነቶም ጅሆ ዝሓዝዎም ሰባት ኣብ ገለርያታት ኣሲሮምዎም ከም ዝለዉ ርግጸኛታት እኳ እንተ ዘይኰኑ፣ ብዛዕባ ኣዪሻን ስድራቤታን ግን ዝኾነ ሓበሬታ ብዘይምርካቡ ብሰንኪ እቲ ሓማስ ንሰዓብቲ እምነት ምስልምና ውን ከይተረፈ ከም ዝጨወዩ መረጋገጺ ከይርከብ ዘሰክፎም ከም ምኹኑ ዝብል ግምታት ውን አሎ ። ኣብ እስራኤል ኣስታት 220,000 ዝኾኑ ሰበኽ-ሳግም ሰዓብቲ እስልምና ኢዮም ዘለዉ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ ከባቢ ምድረ በዳ ነጌቭ እዮም ዚነብሩ ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኣብ መንጎ ገሊላን ስንጭሮ ይዝርኤልን እዮም ዚነብሩ ፣ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ኣብ ዚወስድ መገዲ ንኣሽቱ ማሕበረሰባት በደዊን ከም ዝለዉ ዝፍለጥ ኢዩ ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት መንግስቲ ነቶም ወትሩ ኣብ ምድረ-በዳ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ብኸፊል ናብ ሓደስቲ ሰፈራት ከተማ ንምግዓዝ ወይ ውን ናብ ካልእ ቦታታት ንምግዓዝ ዘውጽኦ መደብ ምስ እስራኤል ዝነበሮም ርክብ እናአጋደዶ ይኸይድ እኳ እንተሎ፣ መብዛሕትኦም ግን ዜግነት እስራኤል ዘለዎም ኢዮም። እቲ ናብ ኣዘርባጃን እተላእከ እስራኤላዊ ኣምባሳደር ጆርጅ ዲክ ዝተሰምየ እንኮ ክርስትያን እስራኤላዊ በዓል መዚ ብዛዕባ አዪሻ ከም ዘተሓሳስቦ አብ ዘውጽኦ መግለጺ አፍሊጡ ።

አምባሳደር ዲክ ምስ ኦዘርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር አብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትትት - "ከምቶም ካልኦት ቈልዑን ንኣሽቱ ኣዋልድን ዘይኰነስ ኣዪሻ ብጉጅለ ሓማስ ከም ዘይተፈትሐት ንጹር ኢዩ፣ ከመይሲ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እውን ከም ዝጨወዩ ኣፍልጦ ንምሃብ ስለ ዘሕፍሮም ። እዚ ጕዳይ እዚ ጉጅለ ሓማስ አብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘለዎ ንዕቀት ካብ ሃይማኖታዊ ሓድነት ንላዕሊ ንዝለዎ ኣገዳስነት ስለ ዘርኢ ኣተኩሮ ክግበረሉ ኣለዎ ። እዚ ጻውዒት እዚ ዘቕርብ ዝሎኹ ንኣዪሻ ክጠበቐላን ከምኡ ውን እዚ ሓበሬታ አብ እዝኒ ሓማስ ክበጽሕን ንእስራኤልን ንብምሉኡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ምእንቲ ኽበጽሖምን ስለ ዝወሰንንኩ ኢዩ ። ኣዪሻ ልክዕ ከም ኵሎም መዛኑኣ ብዝቐልጠፈ ናብ ቤታ ክትምለስ ኢና እንደሊ።” ክብል ተዛሪቡ።

30 November 2023, 14:42