ድለ

Funeral of Palestinian killed in the West Bank following Israeli raid Funeral of Palestinian killed in the West Bank following Israeli raid  (ANSA)

ምዕራባዊ ገማም - 'ንሕና ሰባት ደኣ እምበር ቍጽርታት ኣይኰንናን'

ሓደ አብ ከትማ ጀኒን ፍልስቴም ዚነብር ፕሮፌሰር ቫሊድ ባሻ ዝተባህለ ክርስትያን ምእመን ኣብቲ ዝሰፍሐ ኽልተ ግዝኣታት ፍልስጥኤም ዚርአ ዘሎ ዓመጻ ብዘሕዝን መገዲ እና ወስኽ ይኸይድ ብምህላዉ፣ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ውን ንኻልኣይ ግዜ ክኽሰት ይኽእል ኢዩ ክብል ዘለዎ ፍርሂ ገሊጹ ።

ኣባ ተልወደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ፕሮፈሰር ቫሊድ ባሻ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ኣብ እትርከብ ጀኒን እትበሃል ፍልስጥኤማዊት ከተማ ዝነብር ፍልስጤማዊ ክርስትያን ከምኡውን ኣብ ሃገራዊ መንበረ ጥበብ ኣን-ናጃ መምህር ስነ-ደቀቕቲ-ተህዋስያን ኢዩ። ካብቲ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ ምስ ዜና ቫቲካን አብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እተን ዝዓበያ ኽልተ ግዝኣታት ፍልስጥኤም ከይተረፋ ከም ናይ ቃዛ ዝመስል ዕጫ ከይበጽሕን ማለት ወራር ከይፍጸም ዘለዎ ፍርሒ ገሊጹ ።

እስራኤል ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ለዕሊ ሓማስ ውግእ ካብ እትእውጅ ኣትሒዛ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ብርቱዕ ዓመጽ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ፣ እስራኤላውያን ሰፈርቲ ድማ ሰፈራቶም ከስፍሑ ይረአዩ አለዉ፣ ድሮ ነቲ ብሃገራዊ ስልጣን ፍልስጤም ዚመሓደር ዝነበረ ከባቢታት ይቆጻጸርዎ አለዉ ክብል አመልኪቱ ።

ኣብቲ ቓለ-መጠይቕ ፕሮፌሰር ባሻ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ሓገዝ ክገብር ጻውዒት ውን አቕሪቡ ። ብመሰረት ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጥኤም ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙን አብ ዝተገብረ ውግአት እንተ ወሓደ 190 ፍልስጥኤማውያን ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ከም ዝሞቱ ኢዩ ዝንገር ዘሎ ።

ኣብ ጀኒን ወራር እስራኤል እናወሰኸ ብምኻዱ ዘሎ ስግኣት

ኣብታ ማእከል ምዕራባዊ ገምገም ዝዀነት ጀኒን ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን እተገብረ ውግእ  ቅድሚኡ ተራእዩ አብ ዘይፈልጥ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ኣብታ 17,000 ዝዀኑ ሕዝቢ አብ ኣጸጋሚ ኩነታት መነባብሮ ዝርከቡላ ዘለዉ ሰፈር ስደተኛታት ፍልስጥኤም እትርከብ ከተማ ብ9 ጥቅምቲ ጥራይ 15 መንእሰያት ኣብቲ ምስ እስራኤል እተገብረ ግጭት ተቐቲሎም ኢዮም።

እቲ ብ2006 ብገለ እስራኤላውያን ምሁራት ዝቘመ ባህላዊ ተቕዋም ወላኳ "ናይ ናጽነት ትያትር" ዝተሰምየ ባህላዊ ትካል እኳ እንተ ሃለዎ፣ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሕዝብታት እስራኤልን ፍልስጤምን ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት ዘተ ንዕርቅን ሰላምን ከም ዝሃሰሰ ኢዩ ዝርአ ዘሎ ።

"አብዚ እዋን እዚ ምሳኹም እናተዘራረብኩ ኣብ ቤትና ኾፍ ኢልና ዝመጸና ወራር ንጽበ ኢና ዘለና፣ መዓስ ወይ ብኸመይ ከም ዚኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። ቀትሪ ወይ ለይቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ ። መን ይፈልጥ እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኬጋጥም ይኽእል እዩ ።” ክብል ፕሮፌሰር ባሻ ነቲ ህልው ኩነታ ገለጾ።

ኣብ ጀኒን ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ሕዝቢ ኢዮም ዝነብሩ ፣ አስታት 140 ዚዀኑ ክርስትያን ከኣ ኣለዉ ።

"ቤተ-ክርስትያንና ብሓዊ ነዲዳ ናብ ሓመድ ተምሊሳ አላ ክሳብ ሕጂ ውን ዳግም አይተሓንጸትን ። ሓደ ኻብቲ ርሱን ውግእ ዝተገብረሉ ቦታታት ኣብ ቅድሚ ቤተ-ክርስትያንና ኢዩ ነይሩ" ክብል ድማ መስከረ።

እቲ ውግእ ብዘስዓቦ ስቓይ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ብዙሓት ክርስትያ ክሰድዱ ዘገድድ ኩነታት እኳ እንተሎ ብዘየገድስ ፕሮፌሰር ባሻ ኣብ ዓዱ ኽጸንሕ ቈሪጹ አሎ ።

እቶም ግዳያት ንቘጽር እኳ እንተ ዀንና ቍጽርታት ግን ኣይኰንናን

ፕሮፌሰር ባሻ ነቲ ሰራዊት እስራኤል ካብ 2002 ኣትሒዙ ኣብቲ ኸባቢ ዝገብሮ ዘሎ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ካብ 3 ሓምለ 2023 ክሳዕ ሕጂ ህያው ተዘክሮ ከም ዝለዎ ፕሮፈሰር ባሻ ይምስክር ።

"እዚ ዝኾነሉ ንግሆ ሰዓት 9፡ 30 ኵሉ ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ከሎ እዩ ኣጋጢሙ። ኣስታት 4,000 ተመሃሮ ኽሳዕ ምሸት ካብ ቤት ትምህርቶም ኪወጹ ኣይከኣሉን ። ሎሚ ድማ ብምልእታ እዛ ኸተማ ብዕቱቓት ብወተሃደራት ከምኡውን ብታንክታት ተኸቢባ ኣላ። አብ ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት ኢና ዘለና ። ደመና ውግእ ውን አንጸላልዩና አሎ ። ኣብዚ ካባቢ አብ ውሽቲ ሓንቲ መዓልቲ ዓሰርተው ሓሙሽተ ፍልስጥኤማውያን ተቐቲሎም አለዉ ። ፕሮፌሰር ባሻ ሓዘኑ እንክገልጽ በጃኹም ንሕና ቍጽርታት ዘይኰነስ ሰባት ምዃና አይትረስዑ፣” ክብል ብጓሂ ስምዒቱ ይገልጽ ።

ከምዚ ድማ በለ - "ጽርግያታት፣ ዓብየቲ ህንጻታት ከምኡውን ምልክታት ትራፊክ ዝዓነወላ ጀኒን ብዙሓት መንእሰያት ይጠፍኡና አለዉ ። " ክብል ፍልስጤማውያን ንሓርነት ክሳብ ክንደይ ሃረር ይብላዋ ከም ዘለዉ አመልከተ።

ድሕርዚ አተኩሮኡ ናብቶም ኣብ ጋዛ ዘለዉ ንጹሓት ህጻናት መለሰ፣ ከምኡ ውን ንሓንቲ ኻብ ቤተ-ክርስትያን ክትምለስ ከላ እተቐትለት ፍልስጥኤማዊት ሙዚቀኛን ዘለዎ ተዘክሮ ገለጸ ።

ቫሊድ ባሻ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጋዛ ዘለዉ ብዙሓት መሳርሕቱን ፈተውቱን ውን ብሻቕሎት የዘንቱ ። ገለ ኻብዚኣቶም ከአ ሓንቲ ካብ አሓት ደናግል ዘቅዱስ መቑጸርያ እየን ።  እቲ ዜሕዝን ግና አብዚ ግዜ እዚ ምሳታቶም ርክብ ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ፣ ብዛዕባኡ ድማ ንሰለስተ ሰሙን ዝኣክል ብዛዕባ ሃለዋቶም ሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ ።

"እቲ አብቲ ከባቢ ዚግበር ዘሎ ኩሉ ኩነታት ኣዝዩ ዜስካሕክሕ እዩ ። ሓደ ተራእዩ ዘይፈልጥ  ዕንወት ንርኢ ኣሎና" ክብል ይምስክር ። "ሓንቲ ዓይኒ ምድሪ ጥራይ ዘለዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል፣ ብዘይ ማይ እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ ኢልካ ትግምት ። ሸሮኽን ታይፎይድን ዓባይ ሰዓልን ኮሮናቫይስን የፍርሃና እዩ ዘሎ ። ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ ብዓይንና ዝረአናዮ ሰለስተ ኣኽላባት ኣብ ጐደናታት ሬሳ ይበልዑ ነይሮም ።"

ናጽነት ንደሊ አሎና

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኵሎም ተመሃሮ በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ትምህርታዊ ንጥፈታቶም ብኢንተርነት ኢዮም ዝቕጽሉ ዘለዉ ።

"ኣነ ምእትንቲ ርእሰይ ኢየ ዝዛረብ ዘሎኹ ፣ ኣብዚ ዅነታት እዚ ምጽንናዕ ዝበሃል የለን " ድማ በለ ። እቲ ኣብ ቃዛ ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ዓለም ዕሽሽ ብምባላ ጓሂኡ ገለጸ።

"ኵሉ ይከታተል ኣሎ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቃዛ ዘለዉ ሰባት ግን ዋላ ሓደ ኣይግደስን እዩ" ዘሎ ድማ በለ።

እዚ ፍልስጤማዊ ፕሮፌሰር ኣንጻር እቶም ዝቐትሉን ግብረ ሽበራ ዝፍጽሙ ዘለዉን ኢዩ፣ ንጉጅለ ሓማስ ውን አይድግፎን ኢዩ። የግዳስ ናጽነትን ክብርን ንምርካብ ጥራይ ከም ዝምነ ከምኡውን ከም ሰብ ምዃኑ ክስምዖ ከም ዝደሊ ይገልጽ ። "ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ዘይብልካ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ክትግምትዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ" ክብል ድማ ሓሳባቱ ገለጸ ።

16 November 2023, 22:03