ድለ

ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤልን ሓማስን ብገበን ኩናት ይኸስስ ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤልን ሓማስን ብገበን ኩናት ይኸስስ  (AFP or licensors)

ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤልን ሓማስን ብገበን ኩናት ይኸስስ

ናይ ሕቡራት ሃገራት ድርገት ሰብኣዊ መሰላት እስራኤልን ሓማስን ብገበናት ኲናት ከም ዝኸሰሰን፥ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ብክልቲኦም ወገናት ዝፍጸም ዘሎ ገበን ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት ሃገራት ድርገት ሰብኣዊ መሰላት ሓላፊ ቮልከር ቲዩርክ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ውግእ ካብ ዝባራዕ ብክልቲኦም ወገናት ናይ ኲናት ገበን ይፍጸም ምህላዉ ከም ዝገለጸን ዕለት 7 ጥቅምቲ ብዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጥኤም ዝተፈጸመ ግፍዒ ጽዩፍን ናይ ኲናት ገበን ምዃኑ ሓቢሩ፡ ወሲኹ ድማ እቲ ብስራኤል ኣብ ልዕሊ በርገሳውያን ዜጋታት ፍልስጥኤም ዝፈጸሞ ሓባራዊ መጥቓዕቲ ከምኡ እውን ሰላማውያን ሰባት ብሓይሊ ንምዝብልና ምግዳድ ንገዛእ ርእሱ ናይ ኲናት ገበን እዩ እንክብል ክሲ ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት - ብኢንዳስትሪ ዝማእዕበላ ሃገራት ኣመሪካን ብሪጣንያን ሓዊስካ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “ሰብኣዊ ዕረፍቲ” ክግበረሉ ጻውዒት ከም ዘቕረበን፡ ኣብ ጃፓን ዝተኣከቡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ፥ እስራኤል ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ፡ ዝያዳ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንምቕራብ ክከኣል ብዙሓት ዜጋታት እውን ካብቲ ተዓጊቶምዎ ዘለውሉ ቦታን ኣባይትን ንኽወጹ መታን  “ሰብኣዊ ዕረፍቲ ምግባር” ከም ዘድሊ ክሕብር እንከሎ፡ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ድሮ ንሓማስ ዳግማይ ክጥርነፍ ከም ዘየፍቕድ ብምግላጽ ዝኾነ ኮይኑ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ሓሳብ ነጺጎም ሜላዊ ሓጺር ዕረፍቲ ምግባር ዝብል ጉዳይ ኣብ ግምት ከም ዘእተው ገሊጹ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብፍሉይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ግጭት ምስ ተዛዘመ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ክትከውን እያ ዝብል ጉዳይ ከም እትቃወሞ ኣፍሊጣ ቢሉ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኩለን ኣብቲ ዝተኸበበ መሬት ዝሰርሑ ሰብኣዊ ትካላት ነቲ በርገሳውያን ዜጋታት ዝጻወርዎ ዘለዉ ዘሰቅቕ ኩነታት ኣቃልቦኦም ከም ዝሰሓበን እስራኤል ንቓዛ ምድብዳብ ዝጀመረት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸም መጥቓዕቲ ልዕሊ 1400 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ካልኦት ልዕሊ 200 ድማ ድሕሪ ምጭዋዮም ኮይኑ ብሓማስ ናይ ዝመሓደር ሚኒስትር ጉዳያት ክንክን ጥዕና ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቓቲ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሮም ይብል።

10 November 2023, 16:37