ድለ

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምቁራጽ ኲናት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምቁራጽ ኲናት  (ANSA)

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምቁራጽ ኲናት

ኣብ መንጎ እስራኤልን ምንቅስቓስ ሓማስን ዝተጽሐ ስምምዕ ግዝያዊ ምቁራጽ ተዂሲ ሳልሳይ መዓልቱ ከም ዝሓዘን በዚ ስምምዕ እዚ መሰረት እውን ናብ ቓዛ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገን ንምቕራብ ከም እተኻእለን ካብቶም ጅሆ ዝተተሓዙ እስራኤላውን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም 26 ጅሆ ዝተተሓዙ እስራኤላውያን ናጻ ክልቀቑ ከም ዝሓገዘን ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ 26 እስራኤላውያን ጅሆ ዝተታሕዙ - ኩለን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን - ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተገብረ ስምምዕ መሰረት ነጻ ወጺኦም ኣለዉ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 78 ፍልስጤማውያን እሱራት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ተፈቲሖም።

ሳልሳይ ጉጅለ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ናጻ ክልቀቑ መደብ እኳ እንተሃለወ፡ ናጻ ዝወጽሉ ጊዜ ገና ፍሉጥ ከም ዘይኮነ ይሕበር።

ነበርቲ ቓዛ ነቲ ግዚያዊ ቶኽሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ተጠቒሞም ኣዝዩ ዘድልዮም ቀረብ ነዳዲ፡ መግብን መድሃኒትን ክረኽቡ ጸኒሖም እዮም። ትማሊ ሰንበት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ሓሙሽተ ነፈርቲ፡ ካብ ዖማን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሩስያን ቀጠርን 175 ቶን ሓገዛት ሒዘን ኣብ ምስሪ ከም ዝኣተዋ ይንገር።

ብውሕዱ 1.5 ሚልዮን ሰባት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተመዛቢሎም ከም ዘለዉን፡ ንዝተፈላለየ ተላባዒ ሕማም እውን ከም እተቓልዑን፡ ልዕሊ 75 ሚእታዊ ህዝቢ ቓዛ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሉ ከም ዘሎን፡ ኣስታት 890 ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ክፋላት ናይቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ 99 መሳለጥያታት ከም እተኣንገደን።

ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ግዝያዊ ዓቃቢ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊባኖስ፡ ኣባላት ኣብ ስርሒት ሰላም እንከለዉ በቲ ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ቁሸት ካብ እስራኤል ብዝተፈነወ መጥቓዕቲ እታ ዝጓዕዙላ ዘንበረት መኪና ከም እተሃረመትን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረደ መጉዳእቲ ግን ከም ዘየለ ዜና ቫቲካን ካብቲ ከባቢ ዝወጸ ምንጪ ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

27 November 2023, 15:03