ድለ

'ር.ሊ.ጳ ኣብዚ ናይ ስቓይ እዋን ምሳና ከም ዘለዉ ዀይኑ ተሰሚዑኒ'

ብ7 ጥቅምቲ ወዳ ብሃማስ እተጨውየ ራኬል ጎልድበርግ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምርኻባ "ብሓቂ ንዓና ዘለዎም ድንጋጼ ተሰሚዑኒ እዩ" በለት።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ዕለት 22 ሕዳር ቅድሚ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምክያዶም ምስ 12 እስራኤላውያን ኣባላት ስድራቤቶም ብጉጅለ ሓማስ ጅሆ እተታሕዙ ውልቀ-ሰባት ተራኺቦም።

ድሕሪ እዚ ርክብ እታ ጕጅለ ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ “ኢል ፒቲልያኒ” ዝተሰምየ ማእከል ኣይሁዳውያን ጋዜጣዊ መግለጺ አካይዶም።

ኣባላት ስድራቤቶም  ጅሆ ድሕሪ ምትሓዞም ስለ ዝተሰምዖም ሓዘንን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክንረኽቦም ንኸውን ክብሉ ስለ ዘለዎም ተስፋኦምን ገለጹ ። ማይክል ሌቪ እተባህለ ሓደ ካብቶም ቃሎም ዝሃቡ ናይ ሓደ ካብቶም ተጨውዮም ዝለዉ ወዲ ኽልተ ዓመት ህጻን ዘመዱ ዝነበረ መጻወቲ ባምቡላ ሒዙ ቀረበ ።

እዛ ጕጅለ ትማሊ ረቡዕ ወጋሕታ ኣቐድም ኣቢላ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዝገበርዎ ርክብ እውን መግለጺ አቕረብርት ። ብምኽንያት ናይ ግዜ ሕጽረታት ኩላቶም እኳ ክዛረቡ እንተ ዘይከአሉ ንቅዱስነቶም ኩነታቶም ክሰምዕዎም ብምኽኣሎምን ስለቲ ዘርኣይዎም "ድንጋጸ" ኣመስገንዎም።

ካብ ቤተ - ክርስትያን እንታይ ተወሳኺ ሓገዝ ትጽበዩ ተባሂሎም ምስ ተሓቱ፣ ሓደ ኻብቶም ኣዝማዶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሞሸ ላይምበርግ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ዓመጻን ዘሕዝን ፍጻሜን  "ንዓለም አብ ምዝኽኻራ " ክቕጽሉ ሓተቶም ።

ድሕርቲ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መግለጺ  ናይ ኦዘርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዘጋቢ ሮበርቶ ሴተራ ምስ ሓንቲ ካልእ ኣባል ናይታ ጕጅለ ዝነበረት ራኬል ጎልድበርግ ዝባህለት ወዳ ብጉጅለ ሓማስ ተጨዊዩ ዘሎ አደ ቃለ መሕትት አካየደ ።

ሮበርቶ ሴተራ ፦ ሬቸል ኣብ የሩሳሌም ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ድሕሪ ምርኻብና ሎሚ እንደገና ንራከብ አለና ፣ ንስኪ ድማ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ልኢኽክሎም ኔርኪ ። ኣብ መወዳእታ ዉን ናብ ሮማ መጺእኪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺብኪ አሎኺ ። አብቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝተዘራረብክሉ እዋን ግን እንታይ ተሰሚዑኪ ?

ራኬል ጎልድበርግ ፦ ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸብ ኣጋጣሚ ብምርካበይ ክብርን ሞሳን ዝረከብኩን ብሓቂ እተባረኽኩ ዀይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ ። ብሓቂ ውን ንዓና ዘለዎም ድንጋጸ ተሰሚዑኒ ኢዩ ። ኣብ ስቓይና ምሳና ከም ዘለዉ ኢዩ ተረዲኡኒ ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብምርካብና ድማ ዕድለኛታት ኢና ።

አብ ናይ ቪድዮ መልእኽትኺ ከም ዝረአዩኺ’ኸ ኣለልዮምኺ ዶ?

ኣይመስለንን፣ ምናልባት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መልእኽትታት ይለአኸሎም ይኸውን ኢለ ይሓስብ ። እንተዀነ ግን ንዓናን ንዅሎም ህዝብን ንዅሎም እቶም ጅሆ ተሓሒዞም ዘለዉን፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ጋዛ ዘለዉ መከራ ዝወረዶም ዘሎ ሰባትን ከም ዝሓልዩልና ዀይኑ ኢዩ ተሰምዓኒ ።

ብዙሕ ተስፋ ድማ ሃቡኒ ።

ካብ ክልቲኡ ወገን ንጹሃት ግዳያት ከም ዘለዉ ጠቒስኪ ኔርኪ።

ብርግጽ፣ ብርግጽ፣ እዚ ንዅሎም ብኣና ዝግደሱ ሰባት ኣገዳሲ ኢዩ ዝመስለኒ ። ልዕሊ ኹሉ ድማ እዚ ንቕዱስ ኣቦና ብሓቂ ዘገድሶም ኢዩ ዝመስለኒ ።

23 November 2023, 15:23