ድለ

2023.11.17 ሸውዓተ ዓመት ኣብ በረኻ ሊብያ: ‘ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና’ 2023.11.17 ሸውዓተ ዓመት ኣብ በረኻ ሊብያ: ‘ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና’ 

ሸውዓተ ዓመት ኣብ በረኻ ሊብያ: ‘ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና’

ካሜሩናዊ ስደተይና ፓቶ ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘካየዶ ርክብን ከምኡ እውን ናብ ኤውሮጳ ዘብጽሖ ዘሕዝንን መሪርን ጉዕዞ ኣማእኪሉ ኣብ ዛካየዶ ቃለ መሕትት ናይቶም ኣብ ሊቢያ ዘለዉን ብመራኻ ሊብያን ደሓር እውን ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝገብርዎ ጉዕዞ እንታይ ይመስል ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምበንጉ ኒምቢሎ ክረፒን (ወይ ‘ፓቶ’ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ) ኣብ ሊብያ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሕ ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ ዘጋጠሞን ዘሕለፉን ክትሓስቦ እውን ዘጸግም ተመክሮ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 17 ሕዳር ድሕሪ ቀትሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ዘካየዶ ብሕታዊ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብዙሕ ግዜ ከም ዝፈተነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተነ ግን ከም ዝተታሕዘን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተደርበየን፡ ድሕሪ እዚ መሪር ኩነት እዚ ንሓለውቲ ቤት ማእሰርቱ ገንዘብ ምስ ከፈለ ከም ዝተፈትሐን ይሕብር።

ሸውዓተ ዓመት ኣብ በረኻ ሊብያ: ‘ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና’
ሸውዓተ ዓመት ኣብ በረኻ ሊብያ: ‘ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና’

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ በዓልቲ ቤቱ ተራኺቡ፡ ኣብዚ ኩነት እዚ እንከለዉ እውን ከም ዝወለዱን እቲ ዘሕዝን ግን በዓልቲ ቤቱን ውላዱን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት እዚ እታ ስድራቤት ኣብ መንጎ ሊብያን ቱኒዝያን ዘሎ በረኻ ንምስጋር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከም ዝሞቱን ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ኤውሮጳ ክበጽሕ ከም ዝኸኣለን ሕጂ ድማ ኣብ መንጎ ሮማን ናፖሊን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቝይቢ ከም ዘሎ የዘንትው።

ኣብቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየዶ ርክብ ቅዱስነቶም ታሪኹ ምስ ሰምዑ ንፓቶ ኣመስጊኖም፡ ምእንቲ በዓልቲ ቤትቱን ውላዱን" ከም ዝጽልዩን ቅርበቶም እውን ከም ዝረጋገጽሉ ይሕብር።

ፓቶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ምስል ቢሉ፥ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘካየዶ ከስተንት እንከሎ፣ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ነቲ ናብ ኤውሮጳ ንኽኣትዉ መደብ ዘለዎም ነቲ ጉዕዞ ከይሓስብዎ ምኽሪ የመሓላልፍ።

ፓቶ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየዶ ርክብ ንዕኡ “ዓቢ ባህታ” ምዃኑ ብምጉላሕ፡ “ሓደ መዓልቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክራኸብ እየ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮይ ኣይነበረ” ምስ በለ፡ ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዘሕለፎ ሸውዓተ ዓመታት ከዘንትው እንከሎ እቲ ሸውዓተ ዓመት “ዝኾነ ይኹን ንዋታውን መንፈሳውን ሓገዝ ዝለ ዘየንረና ቀሊል ኣይነበረን - ሓገዝና እቲ ምሳና ሓቢሩ ዝሳቐ ዝነበረ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነይሩ” ይብል።

“ኣብቲ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት ርእየ” ምስ በለ ወሲኹ፡ “ሕጂ ኣብ ሊብያ ከይተረፈ ብዙሓት ዝሳቐዩ ስደተይናታት ብዙሓት እዮም፡ ግዳም ሓደር ኮይኖም ዘለዉ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ዝድቅሱ ብዙሓት ብዙሓት እያቶም፡ ስራሕ የብሎን፡ ብዙሓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒይኖም ከም ዘለዉ። ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ነቶም ነዚ ጉዕዞ እዚ ክገብሩ ዝሓስቡ ህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ኣይትእትዉ እብል። ብዛዕባ እዚ ጉዕዞ እዚ ኣቐዲመ ተሓበረ ነይረ እንተዝኸውን ኣይምፈጸምክዎን።”

ዝምነዩ ስራሕ ረኺበ ነብሰይ ክኢለ ንኽነብ እየ”

ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትማሊ ዓርቢ ንፓቶን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስደተኛታትን ከምኡ’ውን ንወለንተኛታትን ሰራሕተኛታትን ጉጅለታት ረድኤት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ሓለፋ ዕዳ እዩ - ሓለፋ ዘለዎ ንኻልእ ናይ ምሕጋዝ ዕዳ ኣለዎ . . . ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ነቶም ኣብ ሃብታማት ሃገራት ተወሊዶም ዕድለኛታት ዝኾኑ “እቲ እትገብርዎ ዘለኹን ካብ ክትገብርዎ እትኽሉ ንላዕሊ ኣይኮነን: ግዴታ እዩ . . . ኣብ ገዛ ተዓጺኻን ገዛእ ርስኻ ዓጺኻ ዋላ ሓንቲ ዘይምግባር፡ ንኽትዘናጋዕ ምንባር፡ ንረብሓ ጥቕሚ ምንባር ዝያዳ ምቹእ’ዩ ይኹን እምበር እቶም ካብዚ ወጺኦም ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ከገልግሉ ዝመረጹ ድማ በይኖም ክስምዖም ይኽእል እዩ። ንዓኣቶም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኣይትፍርሑ: ውጹ ናብ በሉ” እንክብሉ ከም ዘተባብዑን ኣብ መወዳእታ  ቅዱስነቶም ቅድሚ ምፍናው ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ጸሎት ብሓባባር ጸሎት ደጊሞም፡ ነቶም "ንኻልኦት ወኪሎም ዝሰርሑ"፡ ነቶም ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዘለዉን "ነቶም ብዙሓት ዝሳቐዩ ዘለዉን" ክከታተልዎም ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሸውዓተ ዓመት ኣብ በረኻ ሊብያ: ‘ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና’
ሸውዓተ ዓመት ኣብ በረኻ ሊብያ: ‘ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝሓገዘና’
21 November 2023, 16:28