ድለ

ካብ ጋዛ ዝመጸ ፍልስጤማዊት ስደተኛ - 'ድሕንነ ዝለዎ ህይወት ክነብር ኢየ ዝምነ'

ሱሃር ኣናስታስ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጋዛ ትነብር ዝነበረት ኢያ። ሓንቲ ኻብቶም ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተራኸቡ ጕጅለ ፍልስጥኤማውያን እያ ዝንበረት ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሱሃር ኣናስታስ ሳላ ካናዳዊ ፓስፖርት ዝነበራ ኣርባዕተ መዓልቲ ይገብር ምስ ጓል 16 ዓመት ጓላ ኻብ ጋዛ ኽትሃድም ከኣለት።

ንሳ ውን ሓንቲ ኻብቶም ትማሊ ረቡዕ ንግሆ አብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ 6ይ ቅድሚ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተራኸቡ ጕጅለ ፍልስጥኤማውያን እያ ።

ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን አብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ኩላቶም አብዚ ርክብ ንቅዱስነቶም ከነዝንትዉሎም ዝኽእሉ ብዙሕ እተፈላለየ ዛንታታት እኳ እንተ ነበሮም፣ ኵላቶም ግን ብሓደ ድምጺ ኮይኖም - "ኣብ ጋዛ ዘለዉ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ።" ክብሉ ከም ዝገለጹሎም መስከረት።

ሕቶ - ሎሚ ንግሆ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንታይ እንታይ ኢኹም ዝነገርኩምዎም ?

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣብቲ ዝገበርናዮ ርክብ ምስ ቅዱስነቶም ኵሉ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዘሕለፎ ኩነታ እዩ ዚነግረና ነይሩ። ኵሉ ሰብ እተፈልየ ታሪኽ እዩ ነይርዎ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግን ኵላቶም ብሓደ ድምጺ ኮይኖም ፣ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ ኣባይቲ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ይፈርስ ኣሎ ፣ ንስኹም ድማ ስድራቤትኩም ትስእኑ አሎኹም ኢዮም ዝበልዎም ።

ሓደንቲ ኻብቶም አብ ቤተ-ክርስትያን እተዓቝቡ ዕድለኛታት ሰባት ኢየ ዝነበርኩ፣ ይኹን እምበር ብኻልእ ጐድነትይ ግን ድሕንነት ዘለዎ ቦታ ኣይነበረን ። ከመይ ኣብ ጋዛ ድሕንነት ዚርከበሉ ቦታ የልቦን። ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ንዝነበሩ ሰባት መግቢ ንምርካብ ዝወጹ ሰባት ውን ነይሮም ኢዮም። ወትሩ ኸኣ 'ኣብ መገዲ እንታይ የጋጥሞም ይኸውን? ' ክንብል ኢዩ ዘተሓሳስበና ነይሩ።

ለይቲ ክንድቅስ ከሎና ብምኽንያት እቲ ኣብ ዙርያና ዚፍጸም ዝነበረ ደብዳባት ቦምብ ንጽብሒቱ ንግሆ ብሰላም ንትንስእ ዶ ንኸውን ንፈልጥ አይነበርናን።

ዜፍርህ ተመክሮ

እዚ ብሓቂ ከቢድ ተመክሮ ኢዩ፣ ዋላ ሓደ’ኳ ቈልዓ ይኹን ሕጻናት ወይ ሽማግሌ ነዚ ተመኩሮ እዚ ክሓልፎ ዘይመስል ኩነታት ኢዩ ። ንዅላቶም ክንሕግዞም እንተ ዝኽእል ዝብል ስክፍታ ኢዩ ወትሩ ዝስምዓኒ ። ንዅላቶም ሓዲግካዮም ክትከይድ ገበን ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓካ።

ካብታ ቤተ-ክርስትያን ወጺእና ናብ ራፋ ክንከትይድ ትብዓት ምስ ተሰምዓና፣ እታ ቤተ-ክርስትያን ድማ ንክልተ ካብቶም ህጹጽ ህክምናዊ ክንክን ዘድልዮም ዝተበረ ሰባት ናብ ደቡብ ክውሰዱ መደበት። ማኪና ክንወስድ ስለዝነብረና ብመኪና ተበገስና ድሕሪኡ ግና ወተሃደራት ደው ኣበሉና እሞ ነታ ማኪና ኽንመልሳ አገደዱና ።

ብእግርና ክንጕዓዝ ድማ ጀመርና ። ብደሓን ክትሓልፍ ግን አይከአልናን አብቲ እዋን እቲ ውግእን ምልውዋጥ ተኹስን ቦምባታት ኢዩ ዘሰንየና ነይሩ ። ጥቓና ምንባሩን ዘይምንባሩን አይንፈልጥን ኢና ኔርና፣ እቲ ተኹሲ ግን ንሰምዖ ኔርና ። ኵሉ ሰብ ድማ ብፍርሂ ተዘሪሩ ኢዩ ነይሩ ። ንድሕሪት ምጥማት አይፍቀድን እዩ። ብኢድና ጻዕዳ ሰንደቕ ዕላማ ሓፍ አቢልና እናኣምበልበልና ብእግርና ክንጉዓዝ ጀመርና። ንቘልዑን ህጻናትን ዜፍርህ ኩነት እዩ ዝነበረ ።

እታ ምሳና ዝነበረት ጓል ሸውዓተ ዓመት ቈልዓ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ 'ማማ ክንመውት ዲና?' ትብል ነበረት። ኣዝዩ ዘሰቅቕ ተመክሮ እዩ ነይሩ ።

ካብኡ ስለ ዝወጻእና ግና ሕጉስቲ እየ ። ካልእሲ ይትረፍ ብደሓን ክንወጽእ ምኽአልና ዘሕጉስ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ኣብኡ ብዙሓት ሰባት ገዲፍና ምህላውና ድማ ሻቕሎት ይስምዓና ። ብህይወት አለውዶ የለውን ንፈልጦ የብልናን ።

ሕቶ - ንዓኽን ንስድራ-ቤትክን እንታይ ትምነዪ ?

ድሕንነት ዘለዎ ህይወት ወላ ሓንቲ ካልእ ። ኵሉ ነገር ገዲፍና ኻብ ጋዛ ኽንወጽእ ሓሊመ ኣይፈልጥን እየ ነይረ ። ደቀይ ኣብኡ ብምንባሮምን ኣቦኦም ምስኦም ብዘይብንባሩን ከቢድ ኢዩ ነይሩ ።

ድሕሪ እዚ ዅሉ ግን ካብቲ ቦታ ወጺእና ሕጂ ዋላ ሓንቲ የብልናን ። ኵሉ እቲ ንኣቦኦም ዜዘኻኽሮም ነገር ኣብኡ እዩ ዘሎ ሕጂ ኸኣ ዋላ ሓንቲ የብሎምን። ድሕሪ እቲ ዘሕለፍናዮ ጸገማት ንመጻኢ ዚኸውን መደብ ከም ዘሎና ኺነግረኩም ዚኽእል ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን ኢዩ ። እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ኽትርድኦ ስለ ዘይትኽእል 'እዚ እደሊ እየ' ምባል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ኵሉ ሰብ ንደቁ ዝበለጸ ህይወት ብሉጽ ትምህርቲ እዩ ዚደሊ ። እዚ ክኾነለይ ድማ ተስፋ እገብር።

ናብ ኣባይትና ተመሊስና ኣብኡ ኽንነብር ተስፋ እገብር፣ ድሕንነት ዘለዎ ህይወት ክነብር ድማ እምነ ።

23 November 2023, 15:27