ድለ

Smoke rises as displaced Palestinians take shelter at Al Shifa hospital, amid the ongoing conflict between Hamas and Israel, in Gaza City Smoke rises as displaced Palestinians take shelter at Al Shifa hospital, amid the ongoing conflict between Hamas and Israel, in Gaza City 

ኣብ ለዕሊ ሆስፒታላት ቃዛ ዝወረደ መጥቃዕቲ

ትማሊ ዓርቢ እስራኤል ብዘካየደቶ ናይ ኣየር ደብዳብ፣ እቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ ዝዓበየ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ተወቒዑ፣ ኣባኡ ድማ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ብዙሓት ኻልኦት ከኣ ብኸቢድ ቆሲሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ዓርቢ ዕለት 10 ሕዳር አብ ዝወዓለ ደብዳብ፣ አብ ከባቢታት እተፈላለዩ ሆስፒታላት ቃዛ ጸብጻባት ነትጒ ቦምብታት ይስማዕ አሎ ። ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ኣል ሺፋ እትፈጸም ከቢድ ደብዳብ፣ ሰበ-ስልጣን ፍልስጥኤም ከም ዝሓበርዎ ካልእ መጥቃዕታት ውን አብ ልዕሊ እተወሰነ ኽፋላት ሆስፒታል ኢንዶነዥያ ከም ዝወረደን፣ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ቃዛ ዚርከብ ሆስፒታል ሕጻናትን መንሽሮን ራንቲስ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ድማ ብሓዊ ኸም ዝተቓጸለን ገሊጾም፣ እስራኤል ድማ ኣብኡ እቶም ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቲ ዘውረዱ ወተሃደራት ጉጅለ ሓማስ አባኡ ዓሪዶም ከም ዝነበሩ ትገልጽ ።

እተን ዳርጋ ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል ብሰሜናዊ ቃዛ ዚሓልፋ ዝነበራ ናይ እስራኤል ታንክታት ኣብ ከባቢ ሆስፒታላት ራንቲስ ኣል-ቁዱስን ከምኡውን አብ ጥቓ ናሰር ናይ ህጻናት ሆስፒታል ከም ዝዓረዳ ኢዩ ዚንገር ዘሎ፣ እዚ ኩነታት ድማ ንሕሙማትን ንሓካይምን ነቶም ካብ አባይቶም ዝተመዛበሉ ሰባትን ዜተሓሳስቦም ከቢድ ኩነታት ኮይኑ አሎ ።

ሰራሕተኛታት ሕክምና፣ ንእስራኤል ኣብ ሆስፒታላት ከተማ ቃዛ ደብዳባት ተካይድ ብምህላዋ ይኸስዋ አለዉ። ካብ ቴል ኣቪቭ አብ ግዚኡ ዝወጸ መግለጺ እኳ እንተ ዘይነበረ፣ የግዳስ ንሰላማውያን ሰባት ዕላማ ከም ዘይገብርን መጥቃዕቲ ከይወርዶም አጸቢቓ ከም እትጽግዖምን ኢያ ተገልስ ዘላ።

ወተሃደራት ሓማስ ወላ እኳ እንተ ኸሓድዎ ኣብ ትሕቲ ሺፋን ካልኦት ሆስፒታላትን ወተሃደራዊ ኣዛዚ ማእከላትን መተሓላለፊ ገለርያታትን ተሓቢኦም ከም ዘለዉ እስራኤል ትገልጽ አላ።

ሰበ-ስልጣን ፍልስጥኤም ልዕሊ 10,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጸብጻብ ብምሃብ፣ እስራኤል በቲ አብ ልዕሊ ጉጅለ ሓማስ እተካይዶ ዘላ ንሓደ ወርሓዊ ዝቐጸለ ውግእ ማዕቀብ ኽግበረላ ጥርዓናት እናወሰኸ ይኸይድ አሎ፣ እንተዀነ ግን እቶም ሰራዊት እስራኤል ነቶም ብ7 ጥቅምቲ 1,400 ሰባት ዝቐተሉን ካልኦት 240  ዝጨወዩን ወተሃደራት ሓማስ ንዝዀነ ይኹን ምቁራጽ ተኹሲ ምስ ዝግበር ከም ዝምዝምዝዎ ኢዮም ዝገልጹ ዘለዉ ።

ይኹን እምበር እቲ መጥቃዕታት ቅድሚ ናብቶም ሆስፒታላት ምኽሳቱ ውን ከይተረፈ እቶም ሆስፒታላት ናይቲ ኸባቢ ብሰንኪ ስእነት ሕክምናዊ መሳርሒታትን ጽሩይ ማይን ነዳድን ቀረብ ኤሌትሪክን ተጐዲእን ኢየን፣ እኳ ደአ ብዘይ መደንዘዚ መድጥባህቲ የካይዳ ከም ዘለዋ ጸብጻባት የመላኽቱ።

እስራኤል ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጹ አጠንቂቓ እኳ እንተ ነበረት፣ ሓካይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ግን እዚ ዘይከኣል ምዃኑ ይገልጹ አለዉ ።

"ብዛዕባ 45 ኣብ ኢንኩባተር ዘለዉ ሕጻናት 52 ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝግበረሉ ኽፍልታት ዘለዉ ቘልዑ ብአማኢት ዝቝጸሩ ዝቘሰሉን ሕሙማትን ከምኡውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ኢና እንዛረብ ዘሎና።" ክብሉ ስምዕታ የቕርቡ አለዉ።

ሰበ-ስልጣን ፍልስጥኤም ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣትሒዞም ልዕሊ 10,800 ተቐማጦ ቃዛ ኸም እተቐትሉ ካብዚኣቶም ድማ 40 ሚእታዊት ቈልዑ ምዃኖም ገሊጾም ክብል አገልግሎት ዜና ሮይተርስን ካልኦት ምንጭታትን የመላኽቱ።

(ምንጪ ሮይተርን ካልኦት ትካላትን)

11 November 2023, 16:21