ድለ

PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-MEDIA PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-MEDIA  (AFP or licensors)

ጋዜጠኛታት ኣብ ውግእ እስራኤልን ሓማስን ብዙሕ መስዋእቲ ይኸፍሉ

ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ካብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ እራኤልን ጉጅለ ሃማስን 39 ጋዜጠኛታት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ዘለዉ ጋዜጠኛታት አብ ቅድሚ እቲ እስራኤል እትገብሮ ዘላ ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ብዘዕባ እቲ ዝካይድ ዘሎ ውግእ ጋዜጣዊ ሸፈነ ንምሃብ አብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ ከቢድ ጸገማት ከም ዕንወት ናይ አየር ደብዳብ፡ ምቁርራጽ መስመራት መራኸቢ ብዙሓን፡ ሕጽረት ዝገልግሎት ኤለክትሪክ ዝአመሰለ ዓብዪ ሓደጋታት የጋጥሞም አሎ ።

ብመሰረት እቲ ንጋዜጠኛታት ንምዕቋብ እተመስረተ ናጻ ኮሚቴ ዝውጽኦ መግለጺ እዚ ዝሓለፈ ወርሒ አብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓንን ዝወርድ ዘሎ ጸገማት ካብ 1992 አትሒዞም ሓበሬታ ኺእክቡ ኻብ ዝጀመሩሉ ኣብ ታሪኽ ካብ እተመዝገበ ቐታሊ ዅነታት እቲ ዝኸፍአ ምኹኑ ገሊጾም ።

ካብ ብ 7 ሕዳር 2023 እቲ ኩነታት ካብ ዝባራዕ አትሒዙ 39 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓንን ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ አሎ። እዚኣቶም ከኣ 34 ፍልስጥኤማውያን 4 እስራኤላውያን 1 ሊባኖሳዊ ኢዮም ዝነበሩ።

8 ጋዜጠኛታት ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ ፣ 3 ጋዜጠኛታት ከአ ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥን ፣ 9 ጋዜጠኛታት ድማ አብ ቤት ማሕዩር ተዳጒኖም ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ተቐቲሎም ጠፊኦም ተኣሲሮም ተጐዲኦም ኣፈራርህዎም

ዝሓለፈ ሰሉስ ብዛዕባ ሓደ ምስ 42 ኣባላት ስድራቤቱ እተቐትለ ፍልስጥኤማዊ ዘጋቢ ጋዜጠኛ ዝነግር ዜና ተሰሚዑ ። እቲ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ዜና ዋፋ፣ መሓመድ ኣቡ ሃሲራ ኣብቲ እስራኤላውያን ኣብ ከተማ ጋዛ ዘውረድዎ ደብዳብ ነፈርቲ ኸም እተቐትለ ገሊጹ ።

እቶም ዝሞቱ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓንን ካብቶም ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ብዘውረዶ መጥቃዕቲ እቲ ውግእ ካብ ዝባራዕ አትሒዙ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቃዛ እተቐትሉ 11,000 ዝዀኑ ሰባት ኢዮም።

አብቲ እቲ ኮሚቴ ንምኽልኻል መሰል ጋዜጠኛታት ዘውጽኦ ጸብጻብ ካልኦት ጋዜጠኛታት ውን ከም እተቐትሉ ከም ዝጠፍኡ ከም እተኣስሩ ዝተፈላለየ ጉድአት ከም ዝወረዶም ወይ ከም ዘፈራርህዎምን ከምኡውን ኣብ ኣብያቲ-ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓንን መንበሪ ገዛውቲ ጋዜጠኛታትን ጕድኣት ከም ዝወረደ ዝገልጽ ዘይተረጋገጸ ጸብጻባት ይምርምር ከም ዘሎ ውን ተገሊጹ።

ብ27 ጥቅምቲ ሮይተር ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ንማዕከናት ዜና ኸምኡውን ንኣጀንስ ፍራንሲስ ፕረስ ጋዜጠኛታቶም ኣደዳ መጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዘይኰኑ መረጋገጺ ድሕሪ ምሃቦም ንድሕንነት እቶም ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝሰርሑ ዘለዉ ጋዜጠኛታታት ውሕስነት ኪህብ ከም ዘይክእል መግለጺ አውጺኡ።

ኣገዳሲ ዕዮ ዚዓዩ ሰላማውያን ሰባት

እቲ ኮሚቴ ኣብ ሓደ መግለጺ "ጋዜጠኛታት ኣብ እዋን ቅልውላው ኣገዳሲ ዕዮ ዚዓዩ ሰላማውያን ሰባት ስለ ዝዀኑ ብወተሃደራዊ ጕጅለታት ግዳይ ኪዀኑ የብሎምን" ይብል።

ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ግጭት ሸፈነ መራኸቢ ብዙሃን ንምሃብ ብዙሕ መስዋእቲ ይኸፍሉ ከም ዘለዉን ከምኡውን "ብፍላይ እቶም ኣብ ቃዛ ዘለዉ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጕድኣት ይወርዶም ከምዘሎ ገሊጹ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓንን  መሳርሕቶምን ስድራ ቤቶምን ስለ ዝሰኣኑ ዕቝባ ወይ መውጽኢ ኣብ ዘይብሉ እዋን ዕቝባ ደልዮም ካብቲ ከባቢ ይሃድሙ ምህላዎም እውን ተፈሊጡ።"

መርበብ ሓበሬታ እቲ ኮሚቴ እዋናዊ ዝርዝር ስማት እቶም እተቐትሉን ዝቘሰሉን ወይ ውን ዝጠፍኡ ጋዜጠኛታት በብእዋኑ ከም ዘመሓላልፍ ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ንሓቂ ንምርካብን ኣብ ቃዛ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንዓለም እዋናዊ ዜና ንምሃብ ተራ ግለሰባት ናብ ከም ቲክ ቶክ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይኸዱን አባኡ ድማ መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት መዓልታዊ ጸብጻብ ካብቲ ቦታ እቲ ክህቡ ይርከቡ አለዉ ክብል ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 November 2023, 16:07