ድለ

ኣብ ጋዛ ውሑስ ዝኾነ ቦታ የሎን ኣብ ጋዛ ውሑስ ዝኾነ ቦታ የሎን  (ANSA)

ኣብ ጋዛ ውሑስ ዝኾነ ቦታ የሎን

ነቲ ዘሎ ኲናትን መጥቓዕትን ርኢኻ ብቕንዕና ክንዛረብ እንተኾይነ፡ ንግሆ ምብራቕ ጸሓይ ክንርኢ ክንነብር ኢና ኢለ ንኽትኣምን የጸግም

ኣብ ኦክስፋም - ዓለም ለኻዊ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ብሰብኣዊ ሓገዝን ውጥናት ልምዓትን ኣቢለን ድኽነት ንምንካይ ዝዓያ ውፉያት ማሕበራት ኣብ ዝጥርንፍ ውድብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ጾታዊ ፍትሕን ሓለዋን ሓላፊት ፊዳኣ ኣልራዥ፡ ነቲ ኣብ ጋዛ ዘሎ ህልው ኩነታት ዘስካሕክሕ ቢላ ድሕሪ ምግላጽ ዋሕዲ ወሳኒ ሰብኣዊ ቀረብ ይጎድል ምህላው ሓቢራ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኲናት፡ ወጊሑ ብሕይወት ክትንስእ ዘይእመን እዩ ከም ዝበለት ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ፍጹም ከበባ ከምዘካየደትን ሓይሊ መብራህቲ ከምዝቖረጸትን ገሊጻ፡ ኣብ ገማግም ጋዛ ወሳኒ ቀረብ ይውሕድ ከምዘሎ ኩለን ሰብኣዊ ትካላት የጠንቅቓ፡ መግቢ፣ ነዳድን ማይን ንኸይኣትዉ ምዕጋት ከምዘሎን እዚ ኹሉ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ገሃነም ይቕይሮ ኣሎ። ከምኡ’ውን ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሓማስ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1300 ሰባት ከም ዝሞቱን እዚ እውን እስራእኤል መሳገሪ ነጥብታት ኩሉ ክትዓጽው ከም ዘገደዳ ሓቢረን ዜጋታት ጋዛ፡ ደብዳብ ነፈርቲን ቦምባታትን ዝናብ እናዘነበ፡ ኣበይን ብኸመይን ክወጹ ከም ዝኽእሉ ኩሉ ተደናጊርዎም ኣብ ራዕዲ ይነብሩ ኣለዉ ትብል።

ህያው ሲኦል

“ነቲ ዘሎ ኲናትን መጥቓዕትን ርኢኻ ብቕንዕና ክንዛረብ እንተኾይነ፡ ንግሆ ምብራቕ ጸሓይ ክንርኢ ክንነብር ኢና ኢለ ንኽትኣምን የጸግም። ዕለት 11 ጥቅምቲ ዘስካሕክሕ ለይቲ እዩ ነይሩ። ዘየዕርፍ ደብዳብ፡ ዕቡድ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ካብ ባሕሪ፡ ካብ መሬት፡ ካብ ኣየር፡ ካብ ኩሉ ቦታታት ቦምባታት ይፍነው ብምህላዉ ኣንፈት ክትስእን እዩ ዝገብር፡ “እቲ ቦምባ ካበይ ከም ዝመጽእ፡ ኣበይ ከም ዝዓልብ ኣይፍለጥን። ኣብ ዝኾነ ህሞት ኣብ ርእስና ክዓልብ ይኽእል ነይሩ።”

ኣብ ገዝኦም ተዓቚቦም ዝነበሩ ምሉእ ስድራቤታት፡ በርገሳውያን፡ ብቦምባ ከምዝተደብደቡን እቶም ብህይወት ዝተረፉ፡ ዕድለይናታት ኮይኖም ኣብ ህንጻታቶም ትሕቲ መሬት ዘለዎም፡ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ህንጻታት ተዓጽዮም ከም ዝነበሩ ትገልጽ።

ፍጹም ምድንጋር

ሰባት ካብቲ ቦታ ክወጹ ዝንገረሉ ኣገባብ ንምእማኑ ዘጸግም እዩ። ምኽንያቱ ብወሃብቲ ቃል እስራኤል እዚ ወይ እቲ ቍሸት ክወጽእ እዩ ዝብል ሃንደበታዊ ትዊተር ክቐርብ ወይ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽቲ ከመሓላልፉ እንከለዉ ወይ ብሃንደበት ዝመሓላለፍ ብምዃኑ ህዝቢ እቲ ከባቢ መዓስ፡ ስለምንታይን ብዓቢኡ ድማ ናበይ ክኸዱ ከም ዘለዎም፡ ክወጹ ከም ዘለዎም ርግጸይና ክኾኑ ኣይክሉን፡ ብጠቕላላ ኣብ ጋዛ ውሑስ እትቦሎ ቦታ የሎን፡ ሰብ ይድብደብ ዝቖሰሉ ናብ ቤት ሕክምና ንምውሳድ ዕድል ዘይህብ ኩነት እዩ ዘሎ፣ ናይ ሕክምና መጓዕዝያ እውን ከይተረፋ እየን ዝድብደባ ዘለዋ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ጸልማት ምንባር

እቲ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣስታት ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝረክብ ገሊጻ፡ ጋዛ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ፍጹም ጸልማት ከምዝነበረትን፡ ነዳዲ ከምኡ እውን ማይ እውን ኣብ መላእ ዞባ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ተቖሪጹን መግብን ቀረብን ይውዳእ ከምዘሎን፡ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ድማ ኣብቲ ሰባት መግቢ ክገዝኡ ዝፍትኑሉ ዝነበሩ ማእከላይ ዕዳጋታት ቅትለት ይፍጸም ብምህላዉ ኬድካ ክትሽምት ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሆስፒታላት ዘሎ ኩነታት

ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዘሎ ኩነታት "ኣዝዩ ልዕሊ ዓቕሚ" እዩ ቢላ፡ ምኽንያቱ ሕጽረት ሰራሕተኛታት፡ ናውቲ ሕክምና የጋጥም ስለ ዘሎን ቁጽሪ ናይቶም ዝቖሰሉን ዝሞቱን ድማ ኣዚዩ ክብ ይብል ብምህላዉ እዩ፣

ዕለት 11 ጥቅምቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ንወለንተኛታት ወግዓዊ ጻውዒት ብምግባር፡ ዝኾነ ሰብ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ወይ ዝኾነ ሕክምናዊ ተመኩሮ ዘለዎ ናብ ዝቐርቦ ኣባይቲ ሕክምና ወይ ማእከል ሕክምናዊ ክንክን ጥዕና ክኸይድ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ክህብ” ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

13 October 2023, 16:12