ድለ

TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT  (AFP or licensors)

ጉጅለ ሓማስ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1,200 እስራኤላውያን ከም እተቐትሉ ሓደስቲ ኣሃዛት ይሕብሩ

እስራኤል ናብ ከባቢታት ዶብ ጋዛ ልዕሊ 300,000 ዝኾኑ ዕጡቓት ወተሃደራት ተንቀሳቕስ አላ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ጭካነ ዝመልኦ ውግእ እዚ ህድእ ከም ዝብል ዝሕብር ዋላ ሓንቲ ምልክት የለን፣ ኣብ እስራኤል ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ዝሞቱ ሰባት ድማ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ክሳዕ ትማሊ ረቡዕ 1,200 በጺሑ ነይሩ ፣ ልዕሊ 2,700 ሰባት ድማ ብኽቢድ ቈሲሎም ይርከቡ ፣ መብዛሕትኦም ከኣ ሰላማውያን ሰባት እዮም ።

ሰበ-ስልጣን ፍልስጥኤም ከም ዝገለጽዎ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ገማግም ጋዛ ብዘውረድዎ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 1,000 ሰባት ከም እተቐትሉ ይንገር አሎ።

ከቢድ ስቓይ ጋዛ

ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ እታ እንኮ መደበር ኤለክትሪክ ነዳዲ ምስ ተወድአት እቲ ቐንዲ ቐረብ ኤለክትሪክ ኣብ ጋዛ ተቛረጸ ።

ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ኻብ ዝፍንዉ ኣትሒዙ እስራኤል ንጋዛ ኸበባ ብምግባራ ቀረብ ኤለክትሪክን ነዳድን ምግብን ኣቕሑን ማይን አቋሪሹ ይርከብ አሎ ። ናይ ግብረ - ሰናይ ኵነታት እናኣንቈልቈለ አብ ዝኸደሉ ኸኣ፣ ንሕዝቢ ጋዛ ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት እንታይ ከጓንፎ ከም ዝኽእል አብ አሰካፊ ኩነታት ይርከብ አሎ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት 260,000 ሰባት ካብ ጋዛ ኸም ዝሃደሙ ግምታቱ ይገልጽ ። እስራኤል እውን እንተ ዀነ ንወተሃደራዊ ኽእለት ሓማስ ንምጥፋእ ዝዓለም ወተሓደራዊ መጥቃዕቲ ከም እተካይድ ገሊጻ አላ። ሌተናል ኮረኔል ጆናታን ኮኒከስ ተልእኾ ወተሓደራት እስራኤል ንጉጅለ ሓማስ 'አብ ልዕሊ ሰላማውያ ሰባት እስራኤል ዝኾነ ራዕድን ሓደጋን ክፈጥሩሉ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ወተሃደራዊን ክእለትን ከም ዘይህልዎ' ምግባር ምዃኑ ገለጸ።

ኣህጉራዊ ተሳትፎ

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ሰሜን ክፍሊ እታ ሃገር፣ እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኻብ ህዝቦል ዝወረዳ መጥቃዕቲ ኣብ ክሊ ሊባኖስ መጥቃዕቲ  መጥቃዕታዊ ግብረ መልሲ ተካይድ አላ።

ኣቐድም ኣቢሉ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ቢደን አብ ዘውጽኦ መግለሲ እስራኤል ነቲ ጉጅለ ሓማስ ዝፈጸሞ "ዜስካሕክሕ እከይ" ዝኾነ መጥቃዕቲ ምላሽ ናይ ምሃብ መሰልን ግዴታን ከም ዘለዋ አመልኪቱ። ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ እስራኤል ደው ከም እትብልን ዜድልያ ዘበለ ሓገዝ ከም እትገብረላን ድማ ገሊጹ።

አብ ፍልስጥኤም ዝርከብ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ መሳርያ እተዓጥቁ ወተሓደራት ከኣ ኣብ ጥቓ ገማግም ጋዛ ናብ ዚርከብ ማሕበረሰብ ብምእታው፣ በማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ቀተሉ ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ድማ ከም ጅሆ ወሲዶም ይርከቡ አለዉ ክብል ዜና ቫቲካን አመልኪቱ ።

12 October 2023, 16:44