ድለ

ያይር ላፒድ፡ ንሓድሽ መሪሕነት ፍልስጤም ኣብ ጋዛ ኣብ ኲናት ምዕዋት ያይር ላፒድ፡ ንሓድሽ መሪሕነት ፍልስጤም ኣብ ጋዛ ኣብ ኲናት ምዕዋት  (AFP or licensors)

ያይር ላፒድ፡ ንሓድሽ መሪሕነት ፍልስጤም ኣብ ጋዛ ኣብ ኲናት ምዕዋት

ሓማስ ምስ ኣፍረስናዮ፡ ምስ ዓለም ዓረብን ማሕበረሰብ ዓለምን ብምትሕብባር ኣብ ጋዛ ሓድሽ መሪሕነት ክንፈጥር ኣለና፡ እዚ ድማ ንበዓል መዚ ፍልስጤም ዘጠቓልል ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ነበር ያዪር ላፒድ፡ ብዛዕባ እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ህልቂት ኣማእኪሉ ምስ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ጋዛ ድማ ሓድሽ መሪሕነት ክህልው ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ያዪር ላፒድ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ኮይኑ  ዘገልገለ ልክዕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ድሕሪ ሓፈሻዊ ምርጫ ብቤንጃሚን ነታንያሁ ተሳዒሩ ስልጣኑ ዘረከበ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥

እቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ድሕሪ ናዚ ናዚ፡ ካብ 1945 ጀሚሩ፡ እቲ ዝዓበየ ንጽል ጭፍጨፋ ኣይሁድ እዩ ነይሩ።እንታይ ከም ዘጋጠመን እንታይ ከም ዝተጋገየን ከነጽንዕ፡ ክንግምግምን ክንምርምርን ክንግደድ ኢና። እቲ ኲናት ምስተወድአ ንዕኡ ዝኸውን ግዜ ክህሉ እዩ።

“ብዕለት 7 ጥቅምቲ ከም ዝገረመና ብንጹር ይርአ፡ ዳግማይ ግን ኣይንገረምን ኢና። ተዳሊና ኢና ድሉዋት ኢና። ሕጂ ዕማምና ሓማስ ምፍራስ፣ ኣብ ኲናት ምዕዋት፣ ዝተጨውዩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምምላስን ንህዝቢ እስራኤል ጸጥታ ምምላስን እዩ። ኣብኡ ኢና ኣተኲርና ዘለና” እብክብሉ ብዛዕባ እቲ ሃገሩ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሕቲ ምስ ሓበረ፥

“ኣብ እስራኤል እቲ ዘገድስ ፖለቲካዊ ሓድነት ዘይኮነስ ሓድነት ህዝቢ፡ ናይ ሕብረተሰብ እዩ። ነቲ ሓድነት መዓልታዊ ንምሕያል ይሰርሕ ኣለኹ። ምስቶም ብህይወት ዝተረፉን ምስቶም ገዝኦም ዝሰኣኑን ይራኸብን ዘሎኒ ግዜ እውን ምስኦም እየ ዘሕልፍ ዘለኹ”። ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣብታ መዓልቲ ዘጋጠመ ሓቂ ክትፈልጥ ይሰርሕ ኣለኹ፡ ንኣገልግሎት ጸጥታናን ወተሃደራትናን ድማ ምሉእ ደገፈይ አቕርብ ምስ በሉ፥ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሓዘን እውን እንተሎ ቆራጽ ህዝቢ እዩ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተጠርኒፍና ኣለና።

ህዝቢ እስራኤል ኣብ ታሪኽ ዓበይቲ መዓት ሰጊሩ ከም ብሓድሽ ተንሲኡ እዩ። ሕጂ ከምኡ ክንገብር ኣለና ኣብቲ ብዝያዳ ጨካን ትካላት ግብረሽበራ ንምጥፋእን ተገዲድና ኣብ ዝኣተናዮ ኲናት ተዓዊትና ኢና ድሕሪ እዚ ኲናት ኣብ ጋዛ ሓማስ ክህሉ ከምዘይክእል ንጹር እዩ። ህዝብና ኣብ ጎኒ ሓደ ኣረሜናዊ ግብረሽበራዊ ትካል ደቁ ከዕቢ ክንሓትት ኣይንኽእልን። እቲ ብሓማስ ዝተፈጸመ ተግባራት ካብ ቃላት ንላዕሊ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ።

ሓማስ ምስ ኣፍረስናዮ፡ ምስ ዓለም ዓረብን ማሕበረሰብ ዓለምን ብምትሕብባር ኣብ ጋዛ ሓድሽ መሪሕነት ክንፈጥር ኣለና፡ እዚ ድማ ንበዓል መዚ ፍልስጤም ዘጠቓልል ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ።

ስርሒት ሜላና ዘለዎ ዕላማና ንጹር እዩ - ህዝቢ ደቡባውን ሰሜንን እስራኤል እታ ሃገር ብድሕሪኡ ከምዘላ ፈሊጡ ብሰላምን ብውሕስነትን ኣብ ገዝኡ ክነብር ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፥ ንቕድሚት እናኸድና እንወስዶ ኩሉ ስጉምቲ ነቲ ናይ ስርሒት ሜላ ዕላማ ንምስጓም ክንሰርሕ ይግባእ።

31 October 2023, 16:26