ድለ

Aftermath of Israeli strikes in Zahara City Aftermath of Israeli strikes in Zahara City 

ሓላፊ ጸጥታ ሃማስ ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐትሉ

መራኸቢ ብዙሓን ፍልስጥኤም ከም ዝገለጾ እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣየር ትቕጽለሉ አብ ዘላ፣ ሓላፊ ሓይሊ ጸጥታ ጉጅለ ሓማስ ከም እተቐትለ ሓቢሩ። በቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻን ስዒቡ ዝመጸ ሰብአዊ ዕንወትን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ናይ ሃይማኖትን በርገሳውያን መራሕትን ዝተፈላለዩ ውድባትን ውግእ ናይ ምቁራጽ ጻውዒት የቕርቡ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መራኸቢ ብዙሓን ፍልስጥኤም፣ እስራኤል ኣብ ጋዛ በቲ እተካይዶ ዘላ ቀጻሊ ደብዳብ አየር ሓላፊ ሓይሊ ጸጥታ ጉጅለ ሓማስ ከም እተቐትለ ይገሊጹ።

ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ፍልስጥኤም ሰብ ሞያ ጥዕና ልዕሊ 3,800 ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ይሕብሩ፣ መብዛሕትኦም ከኣ በቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ትገብሮ ዘላ ደብዳም ግዳይ ከም ምዃኖም ኢዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት ሰራዊት እስራኤል ዝርዝር ናይቶም ኣብ መጥቃዕቲ ደብዳብ ኣየር እተቐትሉ ዓበይቲ ኣባላት ሓማስ ከተዳሉ ጸኒሓ አላ። ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ጉጅለ ሃማስ ቀንዲ መራሒ ዝነበረ ጀሃድ ምሀይሰን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብእተገብረ መጥቃዕቲ ተቐትሉ ።

ሰብአዊ ዕንወት

ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ሰብአዊ ቅልውላው እናገደደ ብዝኸደ መጠን ረድኤት ዝጸዓና ናይ መጀመርታ ጕጅለ 20 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ዝሓለፈ ዓርቢ ኻብ ግብጺ ናብ ጋዛ ኽኣትዋ ከም ዝኽእላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገሊጻ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ አብ ኢየሩሳሌም ንቐዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ አብ ዘስምዖ መደረ፣ ቅድሚ 80 ዓመታት ብሪጣንያ ምስ ናዚ ኸም እተዋግአት "ሃማስ ከኣ ሓደስቲ ናዚ እዮም " ክብል ተረኽበ ። ሱናክ እውን እንተ ዀነ ግብረ ሰናይ ናብ ጋዛ ኺኣቱ ምፍቃድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሐ ።

ኣብ መንጎ እዚ ዅሉ ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከቡ ወተሃደራት ሂዝቦልህን ተወሳኺ ኲናት ተባሪዑ ከም ዘሎ ይስማዕ አሎ። ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝገለጽዎ ሮኬትን ጸረ ታንክታት ሚሳይልን ናብ እስራኤል ከም እተተኰሰ ተሓቢሩ። እዚ ድማ ብጸረ ታንክታትን ብናይ ሰብ አልቦ ነፈርቲ ደብዳብ ግብረ መልሲ ከም እተባህቦ ወሲኾም የመልክቱ።

20 October 2023, 16:32