ድለ

ኣፍጋኒስታን፥ ኣብ ዞባ ሄራት ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ልዕሊ ክልተ ሺሕ ሰባት ሞይቶም ኣፍጋኒስታን፥ ኣብ ዞባ ሄራት ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ልዕሊ ክልተ ሺሕ ሰባት ሞይቶም 

ኣፍጋኒስታን፥ ኣብ ዞባ ሄራት ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ልዕሊ ክልተ ሺሕ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ ብዙሕ ሞትን ዕንወትን ካብ ዘስዓቡ ርእደ መሬት እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተኸስተ ዝዓበየን ብርቱዕን ምዃኑ

ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝተመዝገቡ ዝተፈላለዩ ርእደ መሬት እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ብዙሕ ሞትን ዕንወትን ዘስዓበ ምዃኑ ዝንገረሉ፥ ኣብ ዞባ ሄራት ልዕሊ ክልተ ሺሕ ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዞባ ሄራት ብዘጋጠመ ብርቱዕ ተኸታታሊ ርእደ መሬት ልዕሊ 2 ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣስታት 10 ሺሕ ድማ ከም ዝቖሰሉ ክሕበር እንክሎ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ግዚያዊ ምዃኑን ናይቲ ዞባ ናይ መንግስቲ ጣሊባን በዓል መዚ ገሊጹ ህጹጽ እዋን ከም ዝኣወጀን ብውሑዱ ልዕሊ 1.300 ኣባይቲ ከም ዝዓነወ ኣፍሊጦም።

ካብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ ብዙሕ ሞትን ዕንወትን ካብ ዘስዓቡ ርእደ መሬት እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተኸስተ ዝዓበየን ብርቱዕን ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስነ መሬትን ርእደ መሬትን ቤት ጽሕፈት ምርምር ሓቢሩ፡ ናይቲ ርእደ መሬት ሕብርቲ ካብ ከተማ ሄራት ንሰሜን ምዕራብ 4 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝርከብ ቦታ ከም ዝኾነ ኣመላኺቱ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ሓበሬታን ባህልን ዓብዱል ዋሂድ ራያን ኣማኢት ቁሸታት ከም ዝዓነዋን ብዙሓት ሰባት እውን ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ከም ዝተረፉን ንምድሓኖም ህጹጽ ምትሕብባር ንሓትት ከም ዝበሉን ኣፍጋኒስታ ንርእደ መሬት ጓና ከም ዘይኮነትን ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ሰነ ሓያል ርእደ መሬት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ከም ዘጋጠመን ብውሑድ ሓደ ሺሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ኣስታት 150 ድማ ከም ዘቖሰሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣገልግሎት ኣድሕን ህይወት

ደርዘን ጋንታታት ብዝተፈላለየ መዳይ ነቲ ህዝቢ ዘድልዮ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ከም ኣተዋፍሩን ናይታ ሃገር ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ቀይሕ ወርሕ ማሕበርን ዝኣመሰሉ ካልኦት ዘይመኽሰባውያንን ዘይመንግስታውን ትካላት ረድኤት ከም ዝሓበራን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ስደተይናታት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ዘገልግሉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ከም ዘዋፈረን ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣብ ሄራት ሓሙሽተ ናይ ሕክምና ተንዳታት ከም ዝተኸለን ብመሰረት እቲ ትካል እውን ልዕሊ ሸውዓተ ጋንታ ሓኻይም ከም ዘዋፈረን ዘድሊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ እውን ይዓዩ ምህላዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ፓኪስታን ደገፍ ተቕርብ ምህላዋ ኣፍሊጡ።

ነቶም ኣስታት ሺሕ ናይ መቝሰልቲ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ንምሕጋዝ እውን ውድብ ኣድሕን ህጻናት ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ነቲ ህጹጽ ጉዳይ ምላሽ ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብን፡ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ነቲ እቲ ማሕበር ዘቅርቦ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ክብ ንኸብል ከም ዘገደዶን እቲ ማሕበር ካብ 1976 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓለዋ ጽጉማት ህጻናት ዘገልግል ምዃኑ እውን ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይቲ ውድብ ዋና ሓላፊ ኣርሻድ ማሊክ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

09 October 2023, 16:19