ድለ

ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ኒጀር ንኽወጽእ ዘተ ይብገስ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ኒጀር ንኽወጽእ ዘተ ይብገስ  (AFP or licensors)

ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ኒጀር ንኽወጽእ ዘተ ይብገስ

ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ነቲ ልዕሊ ኩሉ ብናይጀሪያ ዝምራሕ ንዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ዝጻረር ንጹር መርገጺ ብኸፊል ከም ዘለስለሶ

ኣብ መንጎ ኣብ ኒጀር ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካልን ፈረንሳን ነቶም ኣብ ኒጀር ዝርከቡ 1500 ወተሃደራት ንኽወጹ ዘተ ይካየድ ምህላዉን፥ ናይ ኒጀር መራሔ መንግስቲ ዘይን ብጀካ ምስ ፈረንሳ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ማሕበረሰብ ቁጠባ እውን ርክባት የካይድ ከም ዘሎን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እውን ትጽቢት ከም ዘለዎምን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኒያመይ ብርክት ዝበለ ጸረ ፈረንሳ ሰልፍታት ምክያዱን፥ ማሕበረሰብ ቁጠባ ሃገራት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ኒጀር ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣብ ዝብል ውሳኔ ምግምማዕ ይረአ ከምዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ለ ሞንድ ኣብ እተሰምየ ናይ ፈረንሳ ዕለታዊ ጋዜጣ፥ እቲ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኒጀር ዝሰመዮ መራሔ መንግስቲ ኣሊ ማሃማን ላሚነ ዛይነ፥ ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ወተሃደራት ፈረንሳ ንኽወጹ ዘኽእል ዘተ ከም እተብገሰ ሓቢሩ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝፈነወ ክፍለጥ እንከሎ፥

ምስ ፈረንሳ ዘሎ ምትብባር ‘ምሕላው’

ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ነቲ ልዕሊ ኩሉ ብናይጀሪያ ዝምራሕ ንዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ዝጻረር ንጹር መርገጺ ብኸፊል ከም ዘለስለሶን፥ ኣብዚ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ከም ዘየለን ብዙሓት ካብተን ናይቲ ማሕበረሰብ ቁጠባ ሃገራት “ብዛዕባ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከህልዎ ዝኽእል ጠንቅታት ከቢድ ከም ዝኸውን ብምግላጽ ካብቲ ብናይጀሪያ ካብ ዝምራሕ መርገጺ ከም ዘንሰሓባን ገለ ገለ ሃገራት ነቲ ኣብ ናይጀሪያ ዝተፈጸመ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ለውጢ ዕልዋ መንግስቲ ቢለን ክገልጸኦ እንከለዋ ዝበዝሓ ሃገራት ድማ ሰውራ ብዝብል ኣገላልጻ ከም ዘንብብኦ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

07 September 2023, 16:17