ድለ

ብዝሒ ናብ ላምፐዱዛ ዝኣትው ስደተይናታት እናወሰኸ ይኸይድ ብዝሒ ናብ ላምፐዱዛ ዝኣትው ስደተይናታት እናወሰኸ ይኸይድ 

ብዝሒ ናብ ላምፐዱዛ ዝኣትው ስደተይናታት እናወሰኸ ይኸይድ

ፈረንሳ ነቲ ምስ ኢጣሊያ ዘዳብዋ ከባቢታት ከም ዝዓጸወትን ጀርመን እውን ብወገና ነቶም ንኢጣሊያ ዝኣተዉ ስደተይናታት ክትቕበል ከም ዘይተሓስቦ

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ናብ ላምፐዱዛ ልዕሊ ሸውዓተ ሺሕ ስደተይናታት ከም ዝኣተዉ ክንገር እንከሎ ምምሕዳር ከባቢ ህጹጽ ናይ መንግስትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ሓገዝ ይሓትት ከም ዘሎን ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተይናታት “ህጹጽ ኩነታት ሰብኣዊ” እንክብል ከም ዝገለጾ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሜዲትራኒያ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱዛ ዝኣትው ዘለዉ ስደተይናታት ብዝሒ ኣብዚ እዋን እዚ ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከም ዝበጽሐን፡ ዕለት 12 መስከረም ምሸት ሓደ ሽሕ ስደተይናታት ከም ኣተዉን ሓንቲ ጓል 5 ወርሒ ህጻን ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠማን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ውሽጢ ሚእትን ዓሰርተ ስደተይናታት ዝጸዓና ነኣሽቱ ጀላቡ ላምፐዱዛ ከም ዝኣተዋን፥ እቲ  ናይቲ ከባቢ ምምሕዳርን ቀይሕ መስቀል እውን ብወገኑ እቲ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተይናታታ ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ህጹጽ መልሲ ዘድልዮን ምዃኑ ከፍልጡ እንከለዉ፥ ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት እውን ብዙሓት ስደተይናታት ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ክንገር እንከሎ ገለ ገለ ስደተይናታት ካብቲ ብብዝሒ ስደተይናታት ኣዕለቕሊቑ ዝርከብ መዕቆብ ስደተይናታት ክሃድሙ ብሓሊ ጸጥታ ከም እተተሓዙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጻውዒት ናይ ከተማ ላምፐዱዛ ከንቲባ

ናይ ላምፐዱዛ ከተማ ከንቲባ ፊሊፖ ማኒኖ፥ ካብ መግንስቲ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዝሓተተን . . . ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝርአ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ቢሎም፥ እቶም ዝኣተዉ ዘለዉ ስደተይናታት ኣብ ላምፐዱዛ ጥራሕ መታን ከይኣትዉን ናብ ካልኦት ኣብ ኢጣሊያ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት ክውሰዱን ነዚ ዝርአ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ንንምሕዳር ዘኽእል ብኤውሮጳ ደረጃ ናይ ሓባር ተበግሶታት ክሳለጥ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፓሪስን በርሊንን የንሳሕባ

እቲ ዝርአ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ብኤውሮጳዊ ደረጃ ክመሓደር ዘለዎ ክነሱ፥ ፈረንሳ ነቲ ምስ ኢጣሊያ ዘዳብዋ ከባቢታት ከም ዝዓጸወትን ጀርመን እውን ብወገና ነቶም ንኢጣሊያ ዝኣተዉ ስደተይናታት ክትቕበል ከም ዘይተሓስቦ ዕለት 12 መስከረም ከም ዘፍለጠትን እዚ ናይ ፈረንሳን ጀርመንን ውሳኔ ነቲ ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ መስርሕ ንሕቶ ዘእትው ካብ ምዃን ሓሊፉ ንውዕል ዱብሊን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሕቶ ዘእትው ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣብ መንጎ መንግስታት ሃገራት ኤውሮጳ ዝርአ ዘሎ ፍልልይ መሰረት ብምግባር ይሕብር።

ሮማ ናብ ብራሰልስ እተቕርቦ ዘላ ጻውዒት

ኢጣሊያ ብወገና ንጸገም ዋሕዚ ስደት ብውልቀ ሃገራት ክምሓደር ከም ዘይክእል ሓቢራ፥ ኣብ መንጎ ሃጋራት ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ምድግጋፍ ስርዓት ንቕድሚት ክስጉም ኣለዋ ከም ዝበለትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ባይቶ ኣደ መንበር ሮበርታ መጾላ ፥ እቲ ዝረአ ዘሎ ጸገም ጸኣት ስደተይናታት ብደረጃ ሃገር ክፍታሕ ምሕዳግ ጌጋ እዩ። ስለዚ ብደረጃ ሕብረት ኤውሮጵ ክፍታሕ ኣለዎ” ከም ዝበላ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ስለዚ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምሕደራ ዋሕዚ ስደት ናይ ሓባር መስመር ክኽተላ ቃል ክኣተዋ ኣለወን ነዚ ስምምዕ ስዒቡ ሓቀይና ውዕል ክህነጸሉ ዝኽእል ናይ ዕላማ እዋጅ ከቕርባ ይግባእ ከም ዝበላ ኣመላኺቱ፥ ብዙሓት ዘይመንግስታውያን ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት እቲ ህልው ኩነታት ንስደተይናታት ዝወሃብ ደረጃ ሓለዋ ይጎድል ምህላዉ ዘርኢ እዩ እንክብላ ነቐፌታ ከም ዘቕረባ የመላኽት።

14 September 2023, 15:59