ድለ

ዋሕዚ ስደተይናታት ናብ ደሴቲ ላምፐዱዛ ዋሕዚ ስደተይናታት ናብ ደሴቲ ላምፐዱዛ  (ANSA)

ዋሕዚ ስደተይናታት ናብ ደሴቲ ላምፐዱዛ

ብቐዳምነት ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት ንዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምምካት ስደተይናታት ብሕጋዊ መገዲ ክኣትውሉ ዘኽእል ብውልቀ ሃገራት ዘይኮነስ ብሕበረት ኤውሮጳ ደረጃ ውጽኢታዊ ዝኾነ መጋበርያታት ምፍጣር

ናብ ዝሓለፈ ናብ ዕለት17 መስከረም ኣብ ዘሰጋግር ለይቲ ልዕሊ ክልተ ሺሕ ስደተይናታት ላምፐዱዛ ከም ዝኣተዉን ኣብታ ኢጣልያዊት ደሴት ተፈጢሩ ዘሎ ምዕልቕላቕ ስደተይናታት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ካልኦት ናይ ስደተይናታት ማእከል ክውስዱ ትጽቢት ይግበር ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፥ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበርን ናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲን ኣብ ላምፐዱዛ ምብጻሕ ብምክያድ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ከም እተመልከታ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ስደተይናታት ዝጸዓና ልዕሊ 20 ዝኾና ነኣሽቱ ጀላቡ ኣብ ኢጣሊያ ላምፐዱዛ ከምዝኣተዋን ብጠቕላላ ብዝሒ እቶም ስደተይናታት ክልተ ሺሕ ምዃኑን ኣብታ ደሴት ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት ከም ዝኣተዉ ክፍለጥ እንከሎ ናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ጆርጃ መሎኒ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ማቴዮ ፒያንተዶዚ ተሰንያ ኣብ ላምፐዱዛ ምብጻሕ ከም ዘካየደትን ከምኡ እውን ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ለየን ከምኡ እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሓላፊ ይልቫ ጆሃንሶን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኢጣሊያ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ዋሕዚ ስደተይናታት ብብቕዓት ንኽትገጥም ሕብረት ኤውሮጳ ዓሰርተ ነጥቢ ዝሓዘ ውጥን ከም ዘቕረበን እዚ እውን ነቲ ዝርአ ዘሎ ጸኣት ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ደው ንምባል ስሩዕን ሕጋውን ስደት ንምትብባዕ ሕጋዊ መገድታትን ሰብኣዊ መተሓላልፎ ንስደተይናታት ንምሕያል ዝድርኽ ምዃኑ ኣብቲ ቦታ ምብጻሕ ዘካየደት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ሊየን ሓቢራ እቲ ጸኣት ስደተይናታት ብደረጃ ሕብረት ኤውሮጳ ክፍታሕ ኣለዎ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሜሎኒ፥ ምትእትታው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣድላዪ እዩ

ናይ ኢጣሊያ መራሒት መንግስቲ ጆርጃ መሎኒ፥ ጉዳይ ጸኣት ስደተይናታት ንዝኣትዉለን ሀገራት ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ዝጸሉ ጸገም እዩ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ግቡእ መልሲ ንምሃብ ብቐዳምነት ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት ንዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ንምምካት ስደተይናታት ብሕጋዊ መገዲ ክኣትውሉ ዘኽእል ብውልቀ ሃገራት ዘይኮነስ ብሕበረት ኤውሮጳ ደረጃ ውጽኢታዊ ዝኾነ መጋበርያታት ምፍጣርን ከምኡ እውን ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ናብ ዝመጹሉ ንምምላስ ዘኽእል ኤውሮጳዊ ኣገባብ ምፍጣር ይግባእ ቢላ፡ ኣብ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ናይ እዋንና ዓቢይ ብድሆ ንምግጣም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምትእትታው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መዳይ ኣበርቲዓ ክትዓዪ ኣለዋ ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 September 2023, 16:41