ድለ

07/09/2023 ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ቱርካዊት ሽቑሽት ፋርካዶና ጥቓ ከተማ ካርዲትሳ 07/09/2023 ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ቱርካዊት ሽቑሽት ፋርካዶና ጥቓ ከተማ ካርዲትሳ  (AFP or licensors)

ኣብ ግሪኽ ቱርኪን ቡልጋርያን ብዘጋጠመ ብርቱዕ ውሕጅ ዘጋጠም ሞት ብዙሓት

ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ሃገራት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ

ብርቱዕ ዝናም ዝተሓወሶ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ዞባ ማኣከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ዕንወት የስዕብ ምህላውን ብዙሓት ኣባይቲ ከም ዝፈረሰን ብውሕጂ ከም እተጸርገን ብዙሃት ሰባት እውን ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ግሪኽ ብኸቢድ ህቦብላን ብርቱዕ ውሕጅን ከም እተሃሰየት ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መብዛሕቲኡ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ ብርቱዕ ዝናም ከም ዝሃረመን ኣብ ግሪኽ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ውሕጂ ገዛእ ርእሶን ንኸድሕኑ ኣብ ናሕሲ ኣባይቶም ክድይቡ ከም እተራእየን ገሊኣቶም እውን ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን ናይ ግሪኽ ተለቪዥን ካብ ዝሃቦ ሓበሬታ እውን ክልተ ዜጋታት ኦስትሪያ ዝኾኑ ሓደስቲ መጻምድቲ ዝዓረፉላ ቤት ብውሕጅ ከም ዝፈረሰትን ሃለዋቶም እውን ጋና ከም ዘይተረኽበ ክፍለጥ እንከሎ፥

እቲ ብርቱዕ ኩነታት ኣየር ኣብ ግሪኽ ቱርክን ቡልጋርያን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበነ፡ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዘይተረኽበን ዜጋታት ምህላዎም ከም እተሓበረን በቲ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ምኽንያት ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ሃገራት ዝረከቡ ወሓይዝ መሊኡ ከተማትት ብማይ ከምዘዕለቕለቓን መገድታት እውን ክቋረጽ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ኣብ መላእ ክፋል ቱርኪ እውን ዕንወት ከም ዘስዓበን የመላኽት።

08 September 2023, 16:28