ድለ

ሓለውቲ ዶብ ስዑዲ ዓረብ፥ ብጃምላዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ተኸሲሶም ሓለውቲ ዶብ ስዑዲ ዓረብ፥ ብጃምላዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ተኸሲሶም 

ሓለውቲ ዶብ ስዑዲ ዓረብ፥ ብጃምላዊ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ተኸሲሶም

ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ካብ ጂቡቲ “ንባሕሪ ብዘይበቕዓ ጀላቡን መራኽብን” ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፈላልይ ስጡም ጽርግያ ማይ ወሽመጥ ዓደን ብምስጋር ናብ የመን ብድሕሪኡ ድማ ብመሬት ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ድማ ናብ ምምሕዳር ሳዓዳ ከም ዝበጽሑን

ጸብጻብ ዓለም ሓቆፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማሕበር ካብ ዕጥቃዊ ግጭትን ካልእ ተመሳሳሊ ጸገማትን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝስደዱ ዑቕባ ሓተትን ብሓለውቲ ዶባት ስዑዲ ዓረብ ዝፍጸም ጃምላዊ ቅትለት ብሰፊሕ ዝትንትን ሰነዳዊ መግለጺ ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማሕበር ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተይናታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝፍጸም ራዕዲ ካብ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝረኸቦ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ መገድታት ዝተኸታተሎ ኣብ መንጎ መጋቢት 2022 ክሳብ ሰነ 2023 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘጋጠመ ዘሕዝን ኩነታት ዝምልከት ጸብጻብ ወግዓዊ ከም ዝገበረ ክፍለጥ እንከሎ፥ ሓለውቲ ዶባት ስዑዲ ዓረብ፥ “ነታጒ ተጠቒሞም ብዙሓት ስደተይናታት ከም ዝቐተሉን ንኻልኦት ስደተይናታት ድማ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ሓዊሱ ብሰፊሕ ስሩዕ ኣገባባት መጥቓዕቲ ከም ዝፈጸሙ” ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ ኢትዮጵያ ብሰኪን ዘይምርግጋእን ብዝተፈንጀረ ዕጥቃዊ ግጭት ብዙሓት ይስደዱ ከምዘለዉ እቲ ጸብጻ ይሕብር።

ምብራቓዊ መገዲ

ኢትዮጵያውያን ስደተይናታት ካብ ጂቡቲ “ንባሕሪ ብዘይበቕዓ ጀላቡን መራኽብን” ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፈላልይ ስጡም ጽርግያ ማይ ወሽመጥ ዓደን ብምስጋር ናብ የመን ብድሕሪኡ ድማ ብመሬት ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ድማ ናብ ምምሕዳር ሳዓዳ ከም ዝበጽሑን እዚ መስመር ስደት “ብምብራቓዊ ወይ ብመገዲ የመን” ዝፍለጥ ብዙሕት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ጉጅለታት ዝቆጻጸርዎን ኮይኑ፥ እዞም ናይ ገበን ጉጅለታት እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ዘሰጋግርዎም ስደተይናታት ዝተፈላለየ በደልን ግፍዕን ከም ዘውርዱ ዓለም ሓቆፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣመላኺቱ፥ እቲ ጸብጻብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን በቲ ምብራቓዊ መገዲ ዝተሰዱ ዝሃብዎ ምስክርነት መሰረት ዝገብረ እውን ክኸውን እንከሎ ብዙሓት ዝወረዶም በደልን ዘጋጥም ሃለዋት ምጥፋእን ሞትን ይዝርዝሩ።

ካብ ስዑዲ ዓረብ ብዝፍጸም መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ ስደተይናታት ቁርጽሪ ልክዕ ምቕራብ ዘይከኣል እኳ እንተኾነ ምስ 2022 ዓ.ም. ብምንጽጻር ዓለም ሓቆፍ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማሕበር፥ ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ዘቕረቦ ጸብጻብ ዛዕባ ዝጠፍኡን ዝተቐትሉን፥ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝእመነሎም ብውሕዱ 795 ሰባት ኣብ መስመር የመንን ስዑድ ዓረብን ብዓብላሊ መልክዑ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ የመን ኣብ ዝርከብ ኣብ ምምሕዳር ሳዓዳ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዝወረዶም ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ “ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝፍጸም ግህሰትን ቅትለትን ሰብኣዊ ገበን ድዩ ኣይኮነን ገምጋም ንምግባር ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መርማሪ ኣካል ከቐውም” ዝብል ሕቶ ብምቕራብ ይዛዘም።

23 August 2023, 16:30