ድለ

ኒጀር፥ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ውሳኔ ወተሃድራዊ ምትእትታው የናውሕ ኒጀር፥ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ውሳኔ ወተሃድራዊ ምትእትታው የናውሕ 

ኒጀር፥ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ውሳኔ ወተሃድራዊ ምትእትታው የናውሕ

ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ኒጀር ጸረ ኤውሮጳውን ጸረ ፈረንሳውን ስምዒት ህዝቢ ብሰፊሕ ይርአ ከምዘሎን እቶም ኣብ ኒያመይ ንድጋፍ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ጎደናታት ዝወጹ ሰልፈይናታት ህዝቢ ናይ ሩሲያ ሰደቕ ዕላማ እናንበለሉ

ዕለት 12 ነሓሰ ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ክካየድ ዝነበሮ ዓውደ ኣኼባ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብተግባራዊ መንከላልኦ ምኽንያት ከምእተናወሐ ዜና ቫቲካን እቲ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቑሱ የመልክት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ኣኼባ ዋና ኣዘዝቲ ስራዊት  ነቲ ካብ ዕለት 26 ሓምለ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ናይ ኒጀር ርእሰ ብሔር መሓመድ ባዙም ናብ ስልጣኑ ንምምጻእን ቅዋማዊ ስርዓት ውሑስ ንምግበር ነቲ ኣብ ኒጀር ክግበር ዝኽእል ወተሃደራዊ ምትእትታው መርገጺኦም ከደልድሉ ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ከካይድዎ ዝነበሮም ኣኼባ ብተግባረ መንከላልኦ ምኽንያት ከምእተናወሐ ክንገር እንከሎ፡ እቲ ትካል ከንቀሳቕሶ ዝወሰነ ዕቑር ሰራዊት ቁጠባዊ ማሕበርሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ናይ ሕጹጽ እዋን ናይ ሓባር ሓይሊ ምክልኻል ዘይብሉ ብምዃኑ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ነቲ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝብል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ከካይዶ ዝሓሰቦ ኣኼባ ንኸሰጋግሮ ከምዘገደዶ ክፍለጥ እንከሎ፥ ይኹን እምበር ንግዳዊ በረራ ኣየር ንምርካብ ጸገም ስለ ዘሎ ዝብል ካልእ ግምታዊ መርትዖ እውን ከምዘሎ ይንገር።

ኩነታት ኒጀር

መራሕቲ ሃገራት ጥዕናን ጉዳይ ህይወት ርእሰ ብሔር ባዙምን ስድራቤቱን የሰክፎም ምህላዉን እዚ ጉዳይ እዚ ኣብታ ሃገራ ዕጥቃዊ ምትእትታው ንኽግበር ጥራሕ ዘይኮነ ክቀላጠፍ ከምዘለዎ ዝድርኽ ምኽንያት ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ንማእሰርቲ መራሒ እታ ሃገር “ኢሰብኣውን ጨካን” ተግባር እንክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ሩሲያ ግን ኣብ ኒጀር ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ንከተብል ምድራኽ ስለ ዝኸውን ሃገራት ቁጠባዊ ማሕበርሰብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንኸይገብራ ትዕድም።

መርገጺ ምልሻታት

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓይልታት ዕልዋ መንግስቲ ብወከልቶም ኣቢሎም፥ ንኣሶሺየት ፕረስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ምስ ምዕራባውያን ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበርው ናይ ፈለማ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ማሕበረሰብ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዕጥቃዊ ግጭት ከይፍጠር እቲ እንኮ መገዲ ንጀነራል ዑመር ትክያኒ ከም ሓድሽ ናይ ኒጀር መራሒ መግንስትን ሓድሽ ስርዓትን ምቕባል ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ኒጀር ጸረ ኤውሮጳውን ጸረ ፈረንሳውን ስምዒት ህዝቢ ብሰፊሕ ይርአ ከምዘሎን እቶም ኣብ ኒያመይ ንድጋፍ  ዕልዋ መንግስቲ ናብ ጎደናታት ዝወጹ ሰልፈይናታት ህዝቢ ናይ ሩሲያ ሰደቕ ዕላማ እናንበለሉ፥ “ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናጻ ዘይኮነ ‘ናይ ፈረንሳ መጋበርያ እዩ’ ዝብል ጭርሖ የስምዑ ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን ኣሶሺየት ፕረሰ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመልክት።

14 August 2023, 15:35