ድለ

ቅልውላው ኒጀር ናብ መላእ ዞባ ሳሔል ክዝርጋሕ ዝኽእል ሓደጋ ዝዓቖረ እዩ! ቅልውላው ኒጀር ናብ መላእ ዞባ ሳሔል ክዝርጋሕ ዝኽእል ሓደጋ ዝዓቖረ እዩ!  (ANSA)

ቅልውላው ኒጀር ናብ መላእ ዞባ ሳሔል ክዝርጋሕ ዝኽእል ሓደጋ ዝዓቖረ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኒጀር ዘሎ ኩነታት ብዓቢይ ስክፍታ ይከታተልዉ ከምዘለዉ ገሊጾም፡ ነቲ ናይታ ሃገር ጳጳሳት ኣብ ኒጀርን መላእ ዞባ ሳሔል ሰላምን ምርግጋእን ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደገፎም ገሊጾም ኣብቲ ናይቶም ጳጳሳት ጻውዒት ንሓብር፡ ንሰናይ መላኣ ህዝቢ ኒጀር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽርከብ ዝግበር ንዘሎ ጻዕሪ ብጸሎቶም ከም ዘሰንይዎም፥ ንኽቡር ህዝቢ ኒጀር ንጸሊ! ከም ዝበሉን ነዚ ሓሳብ እዚ ህዝቢ ኣፍሪቃ ደላይ ሰላም ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ

ሰንበት ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር - ኒያመይ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ሃገሮም ዝድግፍን ቅርበት ዝገልጽን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን፡ ኣብታ ሃገረ እውን ሰብኣዊ ኩነታት እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብህጹጽ ምእንቲ ንናይ ኩሉ ሰናይ ክዓዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም ምእንቲ ህዝቢ ኒጀር ከም ዝጸለዩ ይዝከር፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ነቲ ኣብታ ሃገር ካብ ዕለት 26 ሓምለ ኣትሒዙ ብዕላዋ መግንስቲ ርእሰ ብሔር ሞሓመድ ባዙም ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምድጋፍ ኣብ ማእከል ከተማ ኒያመይ ኣንጻር ፈረንሳን ማሕበረብ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ጭርሖታት ዝተመልአ  ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን እቲ ወተሃደራዊ መግንስቲ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛሙ ከም ዝኣወጀ ክፍለጥ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ እቶም ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ባዙም ናብ ስልጣኖም እንተዘይተመልሱ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክገብር እየ እንክብል የፈራርሕ ምህላዉ ምስ ኣፍለጠ፥ ናይ ኒጀር ሓድሽ መራሒ ጀነራል ዓብዱራሕማን ኪያኒ እቲ ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ናይ ምዝንጋዕ ጉዕዞ ከም ዘይከውን የጠንቅቑ።

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ደገሙ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኒጀር ዘሎ ኩነታት ብዓቢይ ስክፍታ ይከታተልዉ ከምዘለዉ ገሊጾም፡ ነቲ ናይታ ሃገር ጳጳሳት ኣብ ኒጀርን መላእ ዞባ ሳሔል ሰላምን ምርግጋእን ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደገፎም ገሊጾም ኣብቲ ናይቶም ጳጳሳት ጻውዒት ንሓብር፡ ንሰናይ መላኣ ህዝቢ ኒጀር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽርከብ ዝግበር ንዘሎ ጻዕሪ ብጸሎቶም ከም ዘሰንይዎም፥ ንኽቡር ህዝቢ ኒጀር ንጸሊ! ከም ዝበሉን ነዚ ሓሳብ እዚ ህዝቢ ኣፍሪቃ ደላይ ሰላም ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ ክኸውን እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣርሒቑ ዘይርእ ምዕራባዊ ፖለቲካ እናገደደ ዝኸይድ ድኽነትን ሕጽረት ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ሕማቕ ኩነታትን መዓትን ክፍውስ ዝገብር እንኮ መገዲ ሰላምን ዘተን ዘመላኽት ምዃኑ ዝገለጹ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ናፖሊ ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ-ምብርቕ መንበረ ጥበብ ነበር ፕሮፈሰር ልዊጂ ሰራ ኣስዒቦም - ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምቲ ጳጳሳት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝበለዎ፥ ኣብ መላእ ሳሕል ዝላባዕ መዓት ዝዓቖረ እዩ እንክብሉ የጠንቅቑ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ጳጳሳት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ይኹን ክፍጸም ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ብምቅዋም፡ ምርግጋእ ከጥፍእ ዝኽእል ስጉምቲ ከይግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን፥ ኣብቲ ናብ ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብጀካ ዘተ ካልእ ዓይነት ምትእትታው ከምዘይፈትሖ ኣተሓሳሲቦም፥ “ኣብዚ ተኣፋፊ ኵነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ምስቶም ዘተ ዝመርጹ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ምትእትታው ከይህሉ ጻውዒት ምስዘቕርቡ ንሓብር፥ እዚ ምስትውዓል እዚ ድማ ኣቃልቦ ክግበረሉ ነተባብዕ፡” ከም ዝበሉን ብጀነራል ኣብዱልራሕማን ትቺያኒ ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ፥ ንምእላይ ኣብ ኒጀር ቅዋማዊ ስርዓት ውሑስ ንምግባር ወተሃደርዊ ምትእትታው ይብሉ ጉባኤ ጳጳሳት ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፥ ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ብኔቶ - ውድብ ውዕል ሃገራት ሰሜን ኣትላንቲክ ኪዳን ዝድገፍ ስርዓት ሙዓመር ቃዛፊ ንምእላይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዘተኣታተዎ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ዘይውሕስነት ናብ ምዕራባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ዘተኣታትዎ እዩ” ከም ዝበሉ ይዝከር።

22 August 2023, 15:12