ድለ

ሊቢያ፥ ድሕሪ ምስጢራዊ ርክብ ምስ እስራኤል ኣብ ጎደናታት ዝርአ ዘሎ ተቓውሞ ሊቢያ፥ ድሕሪ ምስጢራዊ ርክብ ምስ እስራኤል ኣብ ጎደናታት ዝርአ ዘሎ ተቓውሞ  (ANSA)

ሊቢያ፥ ድሕሪ ምስጢራዊ ርክብ ምስ እስራኤል ኣብ ጎደናታት ዝርአ ዘሎ ተቓውሞ

ናይ ሊቢያ መራሔ መንግስቲ ኣብደልሓሚድ ድባይባሕ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣል ማንጉሽ ካብ ስልጣና ከም ዘኣገዳ

ድሕሪ እቲ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ መንጎ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሊቢያን እስራኤልም ዝተኻየደ ምስጢራዊ ዘተ ስዒቡ ኣብ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ሕንፍሽፍሽ ይርአ ከምዘሎን፥ እቲ ርክብ ምክያዱ ካብ ናይ እስራኤል ማዕከናት ዜና ምስ ተሓበረ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሊቢያ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ሰልፍታት ከም እተራእየን እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ተቓውሞ ንናይ ልቢያ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ የእትው ምህላዉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ እተን ኣብ ታሪኽ ክሌኣዊ ርክባት ተረሓሒቐን ዝርከባ ሃገራት ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ኢጣልያ ነቲ ክብገስ ዝድለ ሓድሽ ርክብ ጅማሮ ሁከት ዝፈጥር ፈተና ክይኑ ከም እተረኸበን፥ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ሊቢያ ናጅላ ኣል ማንጉሽን እስራኤላዊት ብጸይታ ኤሊ ኮሄንን ኣብ ሮማ ዘካየደኦ ምስጢራዊ ርክብ ማእከል ክህሉ ዝኽእል ክሌኣዊ ዝምድናታት ሊቢያን እስራኤልን ብፍላይ ድማ ኣገዳስነት ዕቃበ ቅርስታት ኣይሁድ ኣብ ሊቢያ እንኮላይ ዳግመ ውዳበ ምኩራብን መቓብር ኣይሁድ ኣብ ሊቢያን ዝምልከቱ ኣርእስታት ዘተ ከም እተገብረሉ ናይ እስራኤል ናይ ዜና ማዕከናት ካብ ዝሃበኦ ሓበሬታ ምስ ተፈልጠ ኣብ ሊቢያ ጠንቂ ህዝባዊ ተቓውሞ ኮይኑ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ እቲ ትሑት ምርግጋእ ዘለዎ መግንስቲ ሊቢያ ዝህልዎ ሳዕቤን

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሚንስትራት ዝተኻየደ ርክብ ዝምልከት ሓበሬታ ምስ ተውሃበ ብኡንብኡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሊቢያ ዓመጽ ዝመለኦ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም እተራእየን ኣብ ጎድናታት ትሪፖሊን ካልኦት ከተማታት ሊቢያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ኣንጻር እስራኤልን ኣንጻር መንግስቲ ትሪፖሊን ጭርሖታት ከም ዘስምዑን ናይ እስራኤል ሰንደቕ ዕላማ ከቃጽሉን ከም እተራእየን ነዚ ስዒቡ ናይ ሊቢያ መራሔ መንግስቲ ኣብደልሓሚድ ድባይባሕ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣል ማንጉሽ ካብ ስልጣና ከም ዘኣገዳን ኣብ ቱርኪ ተዓቑባ ከምዘላን ክንገር እንከሎ፥ ኣብቲ ኣብ ኢጣሊያ ዝተኻየደ ርክብ እውን ተራ መንግስቲ ኢጣሊያ እንታይ ምንባሩ ክንፈልጥ ሕቶ ነቕርብ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምስ እስራኤል ክህሉ ዝከኣል ርክብ የሎን

ናይ ሊቢያ መራሔ መግንስቲ ድባይባሕ ኣብ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳር ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ምብጻሕ ኣካይዱን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሮማ ብናይ ሊቢያን እስራኤልን ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ክርብ ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮ ገሊጹ፥ ናጅላ ኣል ማንጉሽ ብውልቃዊ ተበግሶ ዘካየደቶ ምዃና ብምግላጽ፡ ሊቢያ ምስ እስራኤልም ዝነበራ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ድላይ ከም ዘይብላ ደጊሞም ኣረጋጊጾም ይብል።

30 August 2023, 16:18