ድለ

ሊብያ፥ ኣብ ትሪፖሊ ብዝኻየደ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ሊብያ፥ ኣብ ትሪፖሊ ብዝኻየደ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን 

ሊብያ፥ ኣብ ትሪፖሊ ብዝኻየደ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን

ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ምስ ናይ መግንስቲ ሃገራዊ ሓድነት መራሒ ዓብዱል ሓሚድ ድባይባሕ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት እቲ ግጭቱ ዕለት 15 ነሓሰ ደው ከምዝበለን

ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ምልሽታት ዕለት 14 ታህሳስ ምሸት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሓደ ናይቲ ብ444 ብሪገድ ዝፍለጥ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ መራሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምስ ተሰምዐ ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ግጭት ሞትን ማህሰይትን ከምዘጋጠመን እቲ ግጭት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ይንገር፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ወሰን ከተማ ትሪፖሊ ኣብ መንጎ ክልተ ዕጡቓት ጉጅለታት ብዝተኻየደ ዓመጽ 27 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 100 ድማ ከም ዝቖሰሉን ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ሊቢያ ካብ ዝሃቦ ጸብጻብ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ህጹጽ ኩነታት ዘመሓድር ናይቲ ከባቢ ትካል ጸብጻብ፥ ቁጽሪ ናይቶም ዝቖሰሉ ብውሕዱ ኣስታት 106 ከም ዝኾነን፥ እቲ ግጭት ኣገልግሎት መዓርፎ ነፈርቲ ትሪፖሊ ክቋረጽ ከምዝገበረ የመልክት።

ጎንጺ ኣብ ውሽጢ ከተማ

ብመሰረት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ኣብቲ ብሓይሊ ኣል ራዳኣ ትሕቲ ቁጽጽር ኣብ ዘሎ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሚቲጋ መዓርፎ ነፈርት ናብ ሚሱራታ ኣብ እትነቕል ነፋሪት ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ናይ ብርገድ 444 ዕጡቓት ሓይሊ ኣዛዚ  ማሕሙድ ሓምዛ ምስ ናይ ሊቢያ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት መራሒ ኣብዱል ሓሚድ ድባይባሕ ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሉ ብዝንገረሎም ዕጡቓ ሓይሊ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ስዒቡ ዕለት 14 ነሓሰ ምሸት ኣብ ምብራቕን ደቡብን ትሪፖሊ ከባቢታት ዕጥቃውያን መካይን ምስ ተዋፈራ ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ተኹሲ ከም እተለዓለን እቲ ቶኽሲ ናብቲ ከባቢ መዓርፎ ነፈርትን ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናብ ዘለሉ ቦታ እውን ከምዝሰፈሐን ናይ ሚቲጋ ሰበ ስልጣን እውን ናይ ሚቲጋ መዓርፎ ነፈርቲ ኣገልግሎቱ ክቋረጽን ኣገልግልት ነፈርቲ ናብቲ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ሚስራታ ናብ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ክሰጋገር ከም ዝገበረን፥ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ምስ ናይ መግንስቲ ሃገራዊ ሓድነት መራሒ ዓብዱል ሓሚድ ድባይባሕ  ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት እቲ ግጭቱ ዕለት 15 ነሓሰ ደው ከምዝበለን፡ ሓምዛ እውን ናጻ ተለቒቖም ንገለልተይና ኣካል ከምእተረከቡ ናይታ ሃገር ማዕከናት ዜና ዝሃበኦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመልክት።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት

እዞም ክልተ ኣብ ትሪፖሊ ጽልዋ ዘለዎም ጉጅለታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣብ መንጎ እቶም ውድባት ኣብ ጽዑቕ ጎደናታት ማእከላይ ትሪፖሊ ከይተረፈ ቀሊል መጉዳእቲ ዘስዓበ ግጭት ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ኣብ መንጎ ኣል ራዳኣን ካልኦት ዕይጡቓት ጉጅለታት ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብታ ከተማ ኣስታት 50 ሰባት ከም ዝሞቱን እታ ሃገር ካብ 2014 ዓ.ም. ጀሚራ ኣብ መንጎ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ዝርከቡ ተጻባእቲ ምምሕዳራት ተገማሚዓ ከምዘላን ነፍሲ ወከፎም ብብዙሕ ጽዑቕ ኣጽዋር ዝተዓጠቑ ምልሻታት ዘለዎም ብናይ ወጻኢ መንግስታት ዝድገፉን ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ነታ ሃገር ዘመሓድር ዝነበረ ሞዓመር ቃዛፊ ኣብ 2011 ዓ.ም. ካብ ስልጣን ምእላይን ምቕታልን ስዒቡ ሊቢያ መዕለቢ ኣብ ዘይብሉ ናዕቢ ትርከብ ከም ዘላ እዩ ዝፍለጥ። 

16 August 2023, 13:57