ድለ

Presidential candidate Fernando Villavicencio assassinated after a rally in Quito Presidential candidate Fernando Villavicencio assassinated after a rally in Quito  (ANSA)

ኣብ ኤኳዶር ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ሕጹይ ተመራጺ ተቐቲሎም

እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ኮኒኖም፥ እዚ ግብረ ቅትለት እዚ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት መግንስቲ ዝደንገጎ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ንራዕዲ ከም ዝዳረጎም ዘረጋግጽ እዩ

ኣብ ኤኳዶር ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ሕጹይ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዝቐረቡ ከም እተቐትሉን ሰብ መዚ እታ ሃገር ነዚ ገበን እዚ ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ኣለልዩ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣበርቲዖም ክዓዩ ምዃኖም ቃል ይኣተዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኤኳዶር ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ኣብ ዝካየድ ሕብዛዊ ምርጫ ሕጹይ ተመራጺ ኮይኖም ዝቐረቡ ፈርናንዶ ቪላቪጸንሲዮ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቶም ካብቲ ኣብ ዝመርሕዎ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ስዒቡ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብቲ ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ምርጫ ነቲ ናይ ሕንጸት ፖለቲካዊ ውድብ መሪሖም ህጹይ ኮይኖም ዝቐርቡ ብሓለውቲ ኣካላት ተዓጂቦም እውን እንተነበሩ ናብ ማኪናኦም ክኣትዉ እንከለዉ ካብ ርሕቐት ብዝተተኮሶም ሰለስተ ጠያይጥ ከም እተቐትሉን እቲ ካብ ርሑቕ ዝትኩስ ዝነበረ ንምሓዝ ኣብ ተኻየደ ቶኽሱ ምልልዋጥ ብጥይት ተሃሪሙ ከም ዝሞተ ካብ ኤኳዶር ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። ቅድም ክብሉ ቪላቪሰንስዮ ብተደጋጋሚ ኣብ ሃገሮም ኣንጻር እቲ ዝተወደበ ገበንን ምግባረ ብልሽውናን ኣበርቲዖም ክቃለሱ ምዃኖም ኣፍሊጦም ከምዝነበሩን ቅድም ክብል እውን ናይ ሞት ምፍርራሕ መልእኽቲ ይበጽሖም ከምዝነበረ ኣመልኪቱ-።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዑ ዘለዉ ርእሰ ብሔር ጉለርሞ ላሶ እቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ኮኒኖም፥ እዚ ግብረ ቅትለት እዚ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት መግንስቲ ዝደንገጎ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ንራዕዲ ከም ዝዳረጎም ዘረጋግጽ እዩ” ቢሎም መግንስቶም ተሓተቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ከይተሓለለ ክዓዪ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቪላቪንሰንሲዮ ወዲ 59 ዓመት በዓል ሕዳርን ኣቦ ሓሙሽተ እዋልድን ጋዜጠይናን ኣባል ማሕበር ስራሕተይናታት ሃገራዊ ትካላት ነዳዲ ምንባሮም ክንገር እንከሎ፥ እቲ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ንመላእ ሃገርን ህብዝን ሕጹያት ተመረጽትን ናይ ህዝባዊ ምርጫ ተቖጻጻሪ ኣካልን ዘሰንበደ ከም ዝኾነን፥ በዚ ዝተፈጽመ መቕተልቲ ህዝባዊ ናብዕቢ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ ሃገር ኤኳዶር ይለዓዓል ምህላዉን ኣብ ሰለስተ ዞባታት ህጹጽ እዋን እቶቶ ከም እተኣወጀ ኣመልክቲ፥ ኣብ ሎዕሊ ልዕልና ሕግን ስርዓትን ከምኡ እውን ደሞክራስን ኤኳዶር ጽልዋን ጭንቀትን ሓዲጉ ዝሓልፍ ከምዝኸውን ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ይሕብሩ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

11 August 2023, 15:20