ድለ

ዋዕላ ብሪክስ፥ ሓድሽ ዓለማዊ ቁጠባዊ ኣገባብ ንምቕራብ ዋዕላ ብሪክስ፥ ሓድሽ ዓለማዊ ቁጠባዊ ኣገባብ ንምቕራብ  (ANSA)

ዋዕላ ብሪክስ፥ ሓድሽ ዓለማዊ ቁጠባዊ ኣገባብ ንምቕራብ

ኣብ ጎድኒ ዋዕላ ብሪክስ፥ ርእሰ ብሔር ቻይና ሺ ጂንፒንግ፥ ነባሪ ሰላም ምርግጋእን ኣድማሳዊ ድሕንነት ክፉት ንዅሉ ዝሓቁፍ ሓባራዊ ምዕባለን ዓለም ዝድግፍ ምርጫታት ምግባር የድሊ

ኣብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ደቡባዊ ክፍሊ ዓለም ሰሉስ ዕለት 22 ነሓሰ ብወግዒ ከም እተበገሰን ኣብዚ ብራዚል ሩሲያ ህንዲ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ብሪክስ ካብ ምፍጣር ጀሚሩ ኣብ ምሕደራ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ከምኡ እውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ርግጸይናነት ዘምጽእ ናይ ሓባር ባጤራ ንምፍጣር ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ይዝትዩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዘይንጽል ብዝሓ-ጎድናውነት” - ካብ ጽግዕተይናነት ዶላራዊ ባጤራ ናጻ ምዃን። ኣብቲ ክሳብ ዕለት 24 ነሓሰ ዝቕጽል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብሪክስ፥ ርእሰ ብሔር ብራዚል ኢግናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፥ ዓበይቲ ዓለማዊ ጉዳያት ሰላምን ቃልሲ ኣንጻር ዘይምዕሩይነትን ሓድሽ ውጥን ምሕደራ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣማራጺ ዓለማዊ ኣገባብ “ውህደት ኣብ መንጎ ኣህጉራትን ማዕረ ኩነታት ንኹሉ” ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝመክር ምዃኑ ቅድም ክብል ሓቢሩ ከም ዝነበረን እዚ ራእይ እዚ ትማሊ ሰኑይ ናብ ጆሃንስበርግ ዝኣተወ ናይ ቻይና ርእሰ ብሔር ሺ ጂንፒንግ፥ እቲ ዋዕላ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ደሞክራሲያዊ ምግባርን ብዙሓ-ጎድናውነት ምድንፋዕን ዝብል ራእይ ዘለዎ እዩ ቢሉ፡ ሃገሩ እዚ ራእይ እዚ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ምሉእ ሱታፌ ክህልዋ እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብ ባጤራ ኣመሪካ ምልቓቕ

ማእከላይ መስመር ናይቲ ዋዕላ ምልውዋጥ ባጤራን ኣብ መንጎ ህዝብታት ንዝህሉ ዝምድናታት ዝመርሕ ስርዓትን ዝብል ኮይኑ፥ ከምቲ ርእሰ ብሔር ሉላ ዝበሎ፥ ንናይ ውልቀ ሃገራት ከባቢያዊ ባጤራ ከይተክኦ ኣብ መላእ ካባቢ ደቡባዊ ዓለም ወፍሪ ክውስኽ ተኣማንነትን ሓይልን ክረጋገጽ ግን ከኣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ርግጸይናነት ንምውሓስ ዝምልከት ስምምዕ ንምኽዋን እዩ።

ፑቲን፥ ካብ ዶላር ናጻ ናይ ምዃን መስርሕ ድሮ ተበጊሱ እዩ

ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ርእሰ ብሔር ፑቲን ብምኽንያት እቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተኸሲሱ ብዝወጸ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣብቲ ዋዕላ ክርከብ እኳ እንተዘይከኣለ፥ ናብቲ ናይ ጆሃንስበርግ ዋዕላ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈን፡ ናይ መልእኽቱ ሕመረት፥ ብልክዕ ኣብቲ ብዶላር ዝምራሕ ቁጠባዊ ምትእስሳር ለውጢ ክህሉን እዚ ለውጢ ማለት ካብ ዶላር ናጻ ምዃን ዝብል እዩ፥ እዚ መስርሕ እዚ ድማ ድሮ ከም እተበገሰን ንድሕሪት ዘይምለስ እውን እዩ፥ ሃገሮም ብዛዕባ ምህርቲ ሕርሻ ዝምልከት ምስ ዩክረይን ቅድሚ እቲ ኲናት ናብ ዝነበረ ስምምዕ ክትምለስ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ፥ እዚ ድማ ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዘለዋ ግዴታ እንተተኸቢሩ ጥራይ እዩ” ክብል ከም ዝገለጸ ክፍለጥ እንከሎ።

ሓደጋ ዝሑል ኲናት

ኣብ ጎድኒ ዋዕላ ብሪክስ፥ ርእሰ ብሔር ቻይና ሺ ጂንፒንግ፥ ነባሪ ሰላም ምርግጋእን ኣድማሳዊ ድሕንነት ክፉት ንዅሉ ዝሓቁፍ ሓባራዊ ምዕባለን ዓለም ዝድግፍ ምርጫታት ምግባር የድሊ እንክብል ብኣጽንዖት ገሊጹ፥ ህልው ኩነታት ዓለም ሓድሽ ዝሑል ኩናት ዝበል ሓደጋ ዝዓቖረ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ፥ ቻይና “ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ ዓለም ተበግሶታት ልምዓት ምትሕግጋዝ ንምቅልጣፍ ናይ ሓባር ብድሆታት ንምፍታሕን ምዕሩይን ጽቡቕን ህይወት ህዝቢ ኩለን ሃገራት ንምምሕያሽን ድልውቲ ምዃና” ኣረጋጊጹ።

ዕዱማት ተጋባእያን ሃገራት

ኣብዚ ናይ ጆሃንስበርግ ዋዕላ ብሪክስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብኦ ብርክት ናይ ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን እስያን ዕዱማት መራሕቲ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ዋዕላ እዚ እውን ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኽሰት ዘሎ ለውጢ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካን ቁጠባን ጉዳያት ተንተንቲ ክሕብሩ እንከለዉ፥ እዚ ሓድሽ ለውጢ እዚ ናበይ ክመርሕ ከም ዝኽእልን ሳዕቤኑን ገና ብዙሕ ክጽናዕ ዘለዎ ምዃኑን ብፍላይ ኣብ ስነ ፖለቲካዊ መልክኣ ምድሪ ብርቱዕ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝክእል እዩ ዝንገር።

24 August 2023, 15:38