ድለ

ገና ዝቕጽል ዘሎ ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ ገና ዝቕጽል ዘሎ ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ 

ገና ዝቕጽል ዘሎ ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ

2023 ዓ.ም. ካብ ዝኣተው ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ልዕሊ 1,800 ስደተይናታት ከም ዝሞቱን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ሓለዋ ዶባት ባሕሪ ኢጣሊያ ኣብ ማያት ባሕሪ ደሴት ላምፐዱዛ 2 ሺሕ ሰባት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ከምዘድሓኑን

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ - መዲትራኒያን ዝቕጽል ዘሎ ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ስደተይናታት ኣዚዩ ክብ ይብል ምህላዉን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናይ ዝሞቱን ሃለዋቶም ናይ ዘይርከብን ቁጽር ስደተይናታት ይውስኽ ከም ዘሎ ጸብጻባት ዝተፈላለያ ኣድሕን ህይወት ማሕበራት የመልክት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ማያት ባሕሪ ህዱእ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ነቶም ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘሰጋግሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ብዙሕት ስደተይናታት ሰባት ንምጉዕዓዝ ብቕዓት ብዘይብለን ናይ ሞተር ጀላቡ ከም ዘጓዕዙ ዝለጥ እዩ፡ ይኹን እምበር ንባሕሪ ዘይበቕዓን ጸገማት ባሕሪ ዘይጻወራን ንኣሽቱ መራኽብ ብምጥቓም ዝፍጽምዎ ብምዃኑ መብዛሕቲኡ ግዜ ሓደጋ ምጥሓልን ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን እዩ ዘስዕብ፣

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወሰን ቱኒያዝያ ሓያሎ መዓተይና ፍጻመታት ከም ዘጋጠመ እዩ ዝፈልጥ። ዕለት 14 ነሓሰ ኣብ አገማግም ባሕሪ ሓንቲ ጀልባ ተገልቢጣ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱን ከምኡ እውን ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ 41 ሰባት ከም ዝጠሓሉን ዝሓለፈ ቀዳም እውን ሓደ ህጻን ዝርከቦም ብጠቕላላ ናይ ሰለስተ ስደተይናታት ሬሳ ከምእተረኽበ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

2023 ዓ.ም. ካብ ዝኣተው ኣብ ማእከላይ ባሕሪ  ዘጋጠመ ሓደጋ ልዕሊ 1,800 ስደተይናታት ከም ዝሞቱን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ሓለዋ ዶባት ባሕሪ ኢጣሊያ ኣብ ማያት ባሕሪ ደሴት ላምፐዱዛ 2 ሺሕ ሰባት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ከምዘድሓኑን ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ገማግም ግሪኽ ስደተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ጥሒላ ልዕሊ 70 ስደተይናታት ከምዝሞቱን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ደሃዮም ከምዘይተረኽበ ክዝከር እንከሎ፥ ብኻልእ ሸነኽ ዓለም እውን፡ ካብ ሚያንማር ዝሃድሙ ሮሂንጋውያን ስደተይናታት ዝጸዓነት ጀልባ ተገልቢጣ 17 ስደተይናታት ከምዝሞቱን ከምኡ እውን ዕለት 15 ነሓሰ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ መትረብ ንምእታው ዝፈተነት ጀልባ ብዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱን ብጠቕላላ ካብ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ልዕሊ 100 ሺሕ ስደተይናታት ተመሳሳሊ ጉዕዞ ከምዝፈተኑ እውን ይግመት።

17 August 2023, 16:19