ድለ

ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን 500 ህጻናት ብጥምየት ሞይቶም ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን 500 ህጻናት ብጥምየት ሞይቶም 

ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሱዳን 500 ህጻናት ብጥምየት ሞይቶም

እቲ ትካል ኣድሕን ሕጻናት፥ ነቶም ናይ ሱዳን ሕጻናት ስድራ ቤቶምን ሰብኣዊ ቀረብን መግብን ንዘድልዮም ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ናይ ሓባር ፍታሕ ንምምጻእ ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ምዝሕታል ቀረብ መግቢ ወይ ምዕጻው ኣገዳሲ ኣገልግሎት ሕክምና ናይ ብዙሓት ህጻናት ህይወት ንሓደጋ ሞት ተቓሊዑ ከም ዘሎን፡ ብሰንኪ ጥምየት እውን ኣስታት 500 ሱዳናውያን ሕጻናት ከም ዝሞቱ ቁዝሪ እቶም ዝሞቱ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት ርኢኻ ክውስኽ ዝኽእል ምዃኑ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ወተሃደር ሱዳንን ተተቐናቐንቲ ንኡስ ወተሃድራዊ ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ብጥምየት 498 ሕጻናት ከም ዝሞቱን ሓኻይምን ካልኦት ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ሰበ ስልጣንን ናይቶም ዝሞቱ ቁጽር ካብቲ ዝንገር ዘሎ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝክእል ይገልጹ። ብመሰረት እቶም ሓኻይም፥ መጠን ሞት ህጻናት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ብዕስራ ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ኣድሕን ህጻናት ትካል ግብረ ሰናይ፥ 57 ናይ መግቢ ሓገዝ ዘቕረብሉ ንኣሽቱ ማእከላት ክዓጽው ስለ ዝተገደ ልዕሊ 31 ሺሕ ሕጻናት ብዋሕዲ መግብን ካልኦት ተዛማድቲ ሕማማትን ብሕጽረት ኣግልግሎት ክንክን ጥዕና ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ኣፍሊጡ።

ክእለይ ብዝኽእል ጥምየት ምሟት

“ኣብ ሱዳን ክንድዚ ዝኣኽእሉ ህጻናት ብጥሜት ክሳቐዩን ክሞቱን ክንርኢ ቢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን፡ እዚ ግን ሎሚ ክውን ኮይኑ ኣሎ፡ ብኸቢድ ዝሓመሙ ህጻናት ኣብ ሕቑፊ ተስፋ ዝቖረጻ ኣዴታትን ኣቦታትን ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ማእከላት መመገቢ ከም ዝኸዱን እተን መግብን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዘቕርባ ማእከላት ዘለወን ሓገዝ ናይ ምቕራብ ዓቕመን ኣዚዩ ትሑት ብምዃኑ ዘድሊ ሓገዝ ከቕርባ ይኽእላ ከም ዘየለዋን” ክንገር እንከሎ፥ ኣብ ወርሒ ግንቦቶ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ፍጻመ ስዒቡ፥ ናይ መግቢ መርሓ ግብሪ ብውሑዱ 14 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ምህርቲ መግቢ ከም ዝተዘምተ ኣፍሊጡ። ውድብ መግቢ ዓለምን ከም ኣድሕን ህጻናት ትካልን ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ጉጅለታትን 10 መኽዘን መግቢ ከም እተዘምተን ከም ዝዓነወን ኣብተን ክሳብ ሕጂ ክፉታት ዝኾና 108 ማእከላት ትካል ግብረ ሰናይ ኣድሕን ህጻናት ቀረብ ሕክምናን መግብን ይውሕድ ከም ዘሎን ሕጂ ድማ ኣብቲ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ህጹጽ ቀረብ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ምህላዉ ይንገር።

ጸዋዕታ ሓገዝ

እቲ ትካል ኣድሕን ሕጻናት፥ ነቶም ናይ ሱዳን ሕጻናት ስድራ ቤቶምን ሰብኣዊ ቀረብን መግብን ንዘድልዮም ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ናይ ሓባር ፍታሕ ንምምጻእ ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ፥ ኣብ መላእ እታ ብግጭት ዝተሃሰየት ሃገር ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ብዘይ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ፥ መብራህቲ ማይ ከም ዝርከቡን ብዙሓት ሕክምናዊ ትካላት እውን ከም ዝዓነወን ሓቢሩ፥ ኣብ ሱዳን ሰላም ክረጋገጽ ማሕበረሰብ ዓለም ኣበርቲዑ ክዓዪ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ናይቲ ትካል ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

24 August 2023, 15:42