ድለ

ሱዳን፥ ሰብኣዊ ኩነታት ብሰንኪ ኲናት ናብ ዝኸፍአ ገጹ የብል ሱዳን፥ ሰብኣዊ ኩነታት ብሰንኪ ኲናት ናብ ዝኸፍአ ገጹ የብል  (ZOHRA BENSEMRA)

ሱዳን፥ ሰብኣዊ ኩነታት ብሰንኪ ኲናት ናብ ዝኸፍአ ገጹ የብል

ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ተሓተቲ ናይቲ ግጭት እገዳ ክገብር ይቀራረብ ከምዘሎ እዚ ኸኣ ሰላም ዘደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር ብዝብል ርእይቶ

ኣብ ሱዳን ቅልውላው መግብን ጥዕናን ኣብ ትሕቲ እቲ ንኣዋርሕ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ ዝመልኦ ሓድሕዳዊ ግጭት ኣዚዩ ዘስካሕክ ይኸውን ከምዘሎን፡ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ንሕማም ንፉዮ ንምግጣም ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ ምቕራብ ዝተዋፈረ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኩሉ ካብቲ ንኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ናይ ህጹጽ እዋን ደገፍ ሓይልታትን ዝተባረዐ ደማዊ ግጭት ንምድሓን ልዕሊ ኹሉ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ካብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ይሃድሙ ከምዘለዉን ብመሰረት መረዳእታ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም፡ ልዕሊ 140 ሺሕ ሰባት ኣብ ግዝኣት ዋይት ናይል ተዓቝይቦም ከምዘለዉን ኣብ ዘሰንብድ ኣጸጋሚ ሰብኣዊ ኩነታት ከም ዝርከቡን ብርቱዕ ዋሕዲ መግብን ዝስተይ ማይን መጽለልን ክንክን ጥዕናን ዘጋጥሞም ንዘሎ ልዕሊ 387 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ዓሰርተ መዓስከራት ናይ ሕክምና ኣገልግሎት የቕርብ ከምዘሎን ኣብቲ መዓስክራት ሓደስቲ ሕሙማት ንፍዮ ከምዘለዉ ኣመላኺቱ ህልው ኩነታት ህዝቢ ብብርቱዕ ሰብኣዊ ቅልውላው ይናወጽ ኣሎ ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ናይቲ ናይ ሓኻይም ማሕበር መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እገዳ ንምቕራብ ድልውነት ሕብረት ኤውሮጳ

ኣስታት 2 ሚሊዮንን ፈረቓን ውሽጣዊ ስደተይናታት ኣስታት 700 ሺሕ ዶባት ሱዳን ዝሰገሩን ሳዕቤን እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ክኽውን እንከሎ፡ ድሕሪ 100 መዓልታት ውግእ ሓድሕድ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ውግእ ካብ ምኹናን ሓሊፉ እገዳ ንኸሕልፍ ድልው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ወኪል ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ቦረሊ፥ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ “ጭካነን ፍጹም ንዕቀትን ተዋጋእቲ ኣብ ልዕሊ በረገሳዊ ህዝቢ” ዝብል መሪር ሓዘንን ቁጠዓን ገሊጾም 435 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ልዕሊ 1,100 ግዳያት ካልኦት 12 ሺሕ ድማ ከም ዝቖሰሉን ክንገር እንከሎ ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ተሓተቲ ናይቲ ግጭት እገዳ ክገብር ይቀራረብ ከምዘሎ እዚ ኸኣ ሰላም ዘደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር ብዝብል ርእይቶ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 July 2023, 16:00