ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ዘይምግዳስ ሕብረተሰብ ዝኽሰት ዘስካሕክሕ ክውንነት ፍራንቸስኮ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ዘይምግዳስ ሕብረተሰብ ዝኽሰት ዘስካሕክሕ ክውንነት  (Siam Pukkato)

ፍራንቸስኮ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ዘይምግዳስ ሕብረተሰብ ዝኽሰት ዘስካሕክሕ ክውንነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ስጉምትታት ንምድንፋዕ ኣብ መገዲ ተስፋ ምጉዓዝ” ከምዘድሊ

ዕለት 30 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ነዚ ንብዙሓት ሰባት ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘስካሕክሕ ክውንነት ኮኒኖም፥ እግዚኣብሔር ነቶም ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምቅላስ ዝውፈዩ ይባርኽ” ከም ዝበሉን ኣብ መላእ ዓለም ካብቶም ነዚ ሓቀይና መዓት ንምግታእ ዝያዳ ተወፋይነት ዘለዎም ማሕበራትን ትካላትን ከምዘለዉን ካብኣቶም እውን ኣብ 2009 ዓ.ም. ብዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ደናግል ማሕበር ዓበይቲ ኣሕሉቕ ዝተመሰረተ ታሊታ ቁም እተሰምየ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ማሕበር መነኮሳት ብኣብነት ይጥቀስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝምዝመዙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዓቢይ ቦታ ከም ዘለዎምን፥ ብዙሓት ቆሉዑ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተይናታት ዝርከብዎም ነዚኣቶም ቅዱሰንቶም ዕለት 30 ሓምለ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ዘኪሮም፥ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን “ኣብ ኢሰብኣዊ ኩነታት ይነብሩን ብዘይተገዳስነት ብሕበረተሰብ ምንጻግ ይሳቐዩ . . . ሎሚ ኣብ ዓለም ብዙሕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣሎ፡ እዚ እውን ንኹሉ ዝምልከት ዘስካሕክሕ ክውንነት እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ዝቃወምን ኣንጻር እዚ ዘስካሕክሕ ገበን እዚ ዝቃለሱን ቡራኬ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፥ ኣብዛ እቲ ናይ ህዝብታትን ሃገራትን ምሕዝነት ተጻራሪ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ ዓለም ንምፍጥፋእ ኣሚቱ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተመስረተ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘኪሮም፡ እዚ እውን እቲ ልዑል ዝኾነ ምሕዝነት ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝብል ክብሪ ዘኽርብን ኣፍልጦ ዝህብን ውሳኔ“ ምዃኑ ገሊጾም፥ ኩሉ ብዝተፈላለየ መዳይ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክዋሳእ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብስም ምሕዝነ ህዝብታት እውን እንተኾነ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምቅላስ ዝከኣል እዩ። እዚ ገበናዊ ተርእዮ ወራሲ ስርዓት ጊልያነት ክሳብ ሎሚ ብረቂቕን ሕቡእን መገዲ በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ካብ ንቡር ህይወት መንዚዑ ናብ ዘስካሕክሕ ኣድካምን ክብሪ ሰብ ዝሓክሕን፥ ጾታዊ ምዝመዛ ወይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ዓለም ኣብ ዝካየዱ ግጭታት ሕጻናት መጋበርያ ምግባርን ንንግድ ውስጣዊ ኣካል ሰብነት ዝዳረጉን ዝልወጡን ዝሽየጡን ኣብዚ እንነብረሉ ‘ስልጡን’ ተባሂሉ ዝግለጽ ዓለም ክርአ ብሓቂ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እውን እዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ገበን ሸለል ምባል ንገዛእ ርእሱ ናይ ገበን ተሓባበሪ ዝገብር እውን እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ንሚሊዮናት ሰባት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብጭካነ ክምዝመዙ ዝመርሕ መስርሕ ንምልላይ ብኽፉት ዓይኒ ምጉዓዝ” ዝብል ሓያል ምልክት ተስፋ እውን ኣሎ፥ ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ስጉምትታት ንምድንፋዕ ኣብ መገዲ ተስፋ ምጉዓዝ” ከምዘድሊ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ይምዕዱ።

‘ታሊታ ኩም’ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት

ካብቶም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈሩ ኣብ 2009 ዓ.ም. ብኣህጉራዊ ሕብረት ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ደናግል ዝተመስረተ ዓለማዊ መርበብ መነኮሳት፥ መሓዙትን መሻርኽትን ታሊታ ኩም ይርከብዎም። ካልእ ካብ ታሊታ ኩም ዝመጸ ልኡኽ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፍ እዩ። እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝወጸ ጸብጻብ ንጥፈታት እቲ ትካል ኣብ  መዳይ ምክልኻል ክንክን ግዳያት ተበጻሕነት ፍትሕን መርበብ ሓበሬታን ብዙሕ ርኡይ ዕብየት ከምዘረኣየ ይሕብር። ታሊታ ኩም ናብ መርበብ ዓቢይ ኣብ መላእ ዓለም ብ 560,606 ሰባት ተበጻሒ ከምዝኾነን ምስ ናይ 2021 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ብ 40 ሚእታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየን ብመሰረት እናቴ ማይራ ፑግ ካብ መርበብ ታሊታ ኩም፥ “ተርእዮ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብህልው ቅልውላዋት ከም ውግእ ማሕበራዊ ግጭታት ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ዋላ እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ለበዳ” ክብ ከም ዝበለ፡ ስለዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ ሎሚ ግን ተቐይሩ ዝተፈላለየ መልክዕ ሒዙ ኣሎ - ቢለን - ኣብዚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ኣስዒበን፥ ስደተይናታት መብዛሕቲኡ ግዜ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እያቶም። ኩነታቶም ይምዝመዝን ተቓላዕትነቶም ድማ ንዝተፈላለየ ሓደጋ የቃልዖም ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኩሉ ግዜ ምስ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ቀረባ ክንከውን ዘተባብዑና” ኢለን።

31 July 2023, 14:40